ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናብ ሶማሊያ ምምላስ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ዘጋድድ`ዩ ተባሂሉ


ኢትዮጵያ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝካየድ ኹናት ኢዳ ክትሕውስ ፍቓድ ምርካባ ይፍለጥ

ኣብ`ቲ ዞባ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ከምዝብልዎ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብድሩዓት መኻይንን መዳፍዓትን ተሰንዮም ናብ ከተማ ባይደዋ ገጾም ከምርሑ ተራእዮም።

ኣብ ማእከል መጽናዕቲ Atlantic Council ትሰርሕ ኽኢላ ጉዳይ ሶማሊያ Bronwyn Bruton, ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ናብ ሶማሊያ ኽኣትዋ ኸለዋ፡ ኸም`ቲ ኣብ 2007 ን 2008 ዝተራእየ ዓይነት ህዝባዊ ቁጥዐ`ዩ ዘስዕብ ትብል፡

ኢትዮጵያዊ ፕሮፈሰር ብርሃኑ መንግስቱ ብወገኖም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማሊያ ምእታዉ “እቲ መበገሲ ዝኸውን ዘሎ ኣጀንዳ እንታይ`ዩ፡ ግዳማዊ ኣጀንዳ ዘበገሶ ድዩ ወይስ ውሽጣዊ ኣጀንዳ?” ክብሉ ይሓቱ፡

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG