ዋሽንግተን —
ኣብ ተዳወብቲ ወረዳታት ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ከምኡ’ውን ክልላት ደቡብን ኦሮምያን ዝረአዩ ዘለው ግጭታት ንመጻኢ ዕድል እታ ሃገር ዘስግእ’ዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣጠንቒቁ።
ነቲ ኩነታት ቅልጡፍ መፍትሒ ክወሃብ ኣለዎ’ዶ ክብሉ ዝተሓተቱ ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ፓርቲ ኣቶ ጥላሁን እንደሻው ፈደራል መንግስቲ ብዘለዎ ጥርናፈ ሓደ ንሓሙሽተን ካልኦት መሓውራት ሓበሬታን እናፈለጠ ሸለል ምባሉ የሕትቶ’ዩ ክብል ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ መሊሶም።
ንሶም ፓርቲኦም ካበየከባቢኡ ሓበሬታ የተአኻኽብ አሎ ክብሉ’ውን ሓቢሮም። መንግስቲ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ነዚ ቀዳምነት ሂቡ መፍትሒ ከናድየሉ ፓሪትኦም ሓቲቱ’ሎ ኢሎም።