ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ንሰናይ ተመኩሮታት ኣፍልጦ ተዋሂቡ


ethiopia map
ethiopia map

ናይ ኢትዮጵያ ፕሮግራም ማሕበራዊ ተሓታትነት ኣብ 223 ወረዳታት ኣብ ፅርየት፣ፍትሓውነትን ተበፃሕነት ኣገልግሎታት ጭቡጥ ለውጢ ኣምፂኡ ተባሂሉ።ውፅኢት እቲ ፕሮጀክት መሳርሒ ሰናይ ምሕደራ መንግስቲ ምዃኑ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ገሊፆም።

ፕሮግራም ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ መዛዘሚ ካልኣይ ምዕራፍ መደቡ ምኽንያት ብምግባር ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ተረኺቦም ንዝተብሃሉ ሰናይ ተመኩሮታት ኣፍልጦ ተዋሂቡ’ሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት አብ 223 ወረዳታት እታ ሃገር ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ትምህርቲ፣ቀረብ ማይን፣ህንፀት መንገዲ ገጠርን ሕርሻን ብፅረየት፣ ብፍትሓውነትን ተበፃሕነትን ንህዝቢ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ዝለዓለ ምምሕያሽ ከምተመዝገበ ካብቲ ቦታ ዝተረክበ ሓበሬታ የረድእ።

ነቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ምፍፃም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓባበሩ ኣካላት ሕብረት ኣውሮፓ፣መንግስታት ጀርመን፣ኣየርላንድ፣ብሪታኒያን ባንኪ ዓለምን ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ፕሮግራም ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ንሰናይ ተመኩሮታት ኣፍልጦ ተዋሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:17 0:00

XS
SM
MD
LG