ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ብራዛቭል ዘካየደቶ ወሳኒ ግጥም ብዓወት ምዝዛማ ንመብዛሕቲኦም ደገፍቲ ዘሐጎሰ ነይሩ።
ፈላማይ 45 ደቓይቕ ጋንታ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ምሉእ ግዜ ተቖፃፂሩ ሓደ ንባዶ መሪሑ ነይሩ።
እንተኾነ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀዋታ ሳላሕዲን ሰይድ ማዕረ ዝገበረቶም ምንያህል ተሾመ ድማ ንዓወት ዘብቅዐቶም ብምውሳኽ 2ን1 ስዒራ።
ንናይ ዓለም ፅዋዕ መፃረዪ ዝሓለፋ ሃገራት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ፣ካሜሩን፣ኣልጀሪያ፣ቡርኪና ፋሶ፣ኬፕ ፈርደ፣ግብፂ፣ጋና፣ኣይቨሪ ኮስት፣ናይጀሪያን ሰኔጋል እየን።
ሃገራዊ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ናብ መፃረዪ ብምሕላፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነበርቲ ታሕጓሶም ብዝለዓለ ብርኪ ክገልፁ ከምዘሰዩ ተፈሊጡ’ሎ።