ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት ኢትዮጵያ ኣረጋጊጻ


ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ
ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ

'ንብረት መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ዝሓዙ ክልተ ፓይለታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተው፡ ነፈርቲ ኢትዮጵያ’ውን ተቐቢለን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ክትዓርፍ ከምዝገበራ' ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ አረጋጊፆም።

ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ካብ ኤርትራ ካብ 40 ክሳብ 50 ወትሃደራት ከምኡውን ክንደኦም ዝኾኑ ሰላማዊያን ሰባት መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ’ዮም ፣ እቲ ናይ ሕጂ ፍልይ ዘብሎ ብሰማይ ምምጽኦም ጥራሕ’ዩ’ ኢሎም።

“ንሕና ድማ ናብ ክሊ ኣየር ሃገርና ምስ በጽሐት፣ ናባና ትመጽእ ከምዘላ ስለዝፈለጥና ተቀቢልናያ ኢና። ተቀቢልና’ውን ኣዕሪፍናያ ኣለና። ነታ ነፋሪት ሒዞም ዝመጹ ክልተ ፓይለታት’ዮም። ኣድላዪ ዘበል ምሕብሓብ ንገብረሎም ኣለና' ኢሎም።

ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ ብዛዕባ'ቲ ዜና ዝሃብዎ ርእይቶ የለን። ሚኒስትር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንትካል ዜና እንግሊዝ ቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ነቲ ሓበሬታ ‘ጓሓፍ’ ምባሎም ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG