ኣዲስ ኣበባ —
ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣባይቲ ዝምልከቱ ዝቀረቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ቅሬታታት ምላሽ ንክወሃቦ ንምምሕዳር ከተማ ሸገር ብፅሑፍ ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኦሮሚያ ዝኾኑ ኣቶ ቶሌራ በላይ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፣ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ነቶም መንበሪ ኣባይትና ፈሪሱና ኢሎም ቅሬታ ዘቕረቡ ነበርቲ ምላሽን መብርህን ንክህብ ሓቲትና ኣለና ኢሎም።
ንሶም ወሲኾም ምምሕዳር ከተማ ሸገር ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተቐመጠ ናይ ጊዜ ገደብ ነቲ ሕቶ ምላሽ እንተዘይሂቡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘምርሕ ድማ ኣፍሊጦም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ንሎሚ ኣይሰመረን።
ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሸገር ኣቶ ጉግሳ ደጀኔ ቅድሚ ሕጂ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት፣ “ንሕና ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና ክንድ'ዚ ዝኣክል ቅሬታ ምቕራቡ እውን ኣይንፈልጥን” ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።
ቅጥዒ