ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ንዳህሳስ ስራሕን ገምጋምን ካብ 25 መስከረም ክሳብ 3 ጥቅምቲ ዝጸንሐ ጕጅለ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝደልዮ ዘሎ ሓገዝ ንምሃብ ዝያዳ ዝርርብ ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ። ነቲ ጉጅለ መሪሑ ዝተጓዕዘ ኣልቫሮ ፒሪስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ሓደ ዘሰማምዕ ነጥቢ ንምብጻሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እቲ ዝርርብ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙናት ክቕጽል’ዩ፡” ኢሉ።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘስፈሮ፡ እቲ ጉጅለ ዳህሳስ፡ ቍጠባ እታ ሃገር ንምርግጋእን ዝቕባበ ንምጉዳልንን ዝግበር ተበግሶታት ካብቶም ንዝርርብ ዝቐርቡ ዛዕባታት ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ ካብ ፈለማ 2021 ኣትሒዛ ንሃገራዊ ልቓሕ ንምትዕርራይ ክትሰርሕ ምጽናሓ ዜና ሮይተርስ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብመሰረት ካብ መንግስቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ 28.2 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ኣለዋ።
ቅጥዒ