ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትፍናን ክልል ኣምሓራ መጠናዊ ህድኣት ይርኣዮ፣ ገና ግን ኣይዓረፈን


ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ይለቃል ከፍያለ ፍሉይ ሓይሊ ሚሊሻ ክልላት ናብ ሰራዊት ፈደራል ወይ ሓይሊ ጸጥታ ክልላት ንምጽንባሮም ዝሓለፈ መምርሒ ዝምልከት፡ህዝቢ እቲ ክልል ንሰላም ክጽውዕን ንዕጡቓት`ውን ኣካል’ቲ ጻውዒት ንክዀኑ ድፍኢት ክገብርን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ቆቦ፡ ነቲ ዝቐነየ ጎንጺ ንምህዳእ፡ ናይ ሰላም ጻውዒት ንምግባር ሰለማዊ ሰልፊ ምግባሮም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ልኢኹ። ፕረዚደንት እቲ ክልል ይለቃል ከፍያለ፡ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ምህዳእ እቲ ወጥሪ ዝገብሩዎ ዘለዉ ተራ ብምንኣድ፡ ምስ ሚሊሻ ፋኖ ተሰሊፎም ዘለዉ መንእሰያት ናብ ሲቪላዊ ናብራኦም ክምለሱን ወለዲ ድማ ጻውዒቶም ከሐይሉን ኣዘኻኺሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝወረደ መምርሒ ድጋፉ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ግን ናብ ጎንጺ ምምራሑ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ'ሎ። ኣብ ከይዲ ሲቪላውያን ዜጋታት ግዳያት ምዃኖም ዝሓበረ መግለጺ እቲ ኮሚሽን፡ ዝያዳ ጥንቃቐን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ምርድዳእን ክግበር ጸዊዑ።

እንተዀነ፡ እቲ ጎንጺ ኣብ በበይኑ ከተማታት መሊኡ ኣይዕረፈን። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስኣበባ ከም ዝለኣኸቶ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ መዘዞ፡ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖ፡ ንመደበር ፖሊስ እታ ከተማ ብምቍጽጻር ኣጽዋር ሰሊቦም።

ኣብ ከተማ ደብረብርሃን፡ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል ነታ ከተማ ንምቍጽጻር ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ነበርቲ ብዘለዎም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (በትሪን ጉራዴን’ውን ሓዊሱ) ከም ዝተኸላኸሉ ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ነበርቲ ብምውካስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝለኣኸቶ ጸብጻብ ጠቒሳ።

ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ድማ ኣገልግሎት ኢንተነት ተቛሪጹ፡ ነቲ ዝነበረ ርክባት ንምትእጕጓል ምፍታኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ሰራሕተኛ ረዲኤት ትካላት ወጻኢ ከም ዝተቐትሉን ካልኦት’ውን ኣደዳ መጥቃዕቲ ምዃኖም’ውን ኣብ ግዜኡ ተሓቢሩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG