ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መስላት ኢትዮጵያ ሓይልታት ጸጥታ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ጋምቤላ ቀቲሎም ክብል ሓቢሩ


በመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ክልል ጋምቤላ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝነበሮም ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሲቪላት ቀቲሎም ኢሉ።

ብመሰረት`ቲ ሪፖርት እቲ ሞት ሲቪላት ዘጋጠመ ዝሓለፈ ሰነ 14 ምስ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን ኣብ ዝተኻየደን ሰዓታት ዝወሰደን ውግእ`ዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ድሕሪ እቶም ዕጡቓት ካብታ ከተማ ምውጽኦም፡ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ጋምቤላ ገዛ ገዛ ብምፍታሽ ነቶም ዕጡቓትን ብረትን ሓቢእኩም ንዝበልዎም ቀቲሎም ይብል።

እቲ 13 ገጽ ዝሓዘ ሪፖርት በቲ ብንጽልን ብጅምላን ዝተገበረ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሲቪላት ምሟቶም ይገልጽ።

ኣብቲ ኮሚሽን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጋምቤላ ኣቶ ኣበል ኣዳነ እቲ ቕትለት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት`ታ ከተማ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።

"ገለ ሰባት ኣብ ገዝኦም ገሊኦም ድማ ኣብ ጽርግያ እናኸዱ ከለዉ ዝተቐትሉ`ዮም። ንኣብነት ኣብ መጽናዕትና ካብ ዝረኸብናዮ ሓደ ነገር ሓደ ፍሉይ ሓይልን ሓደ ፖሊስ ከተማን ብውሕዱ 11 ሲቪላት ኣብ ሓደ ገዛ ከምዝቐተሉ`ዩ።"

ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ከምዝተወስዱን ንሳቶም`ውን ጸኒሖም ከምዝተቐተሉ ኣቶ ኣበል ወሲኹ ይገልጽ። እቲ ሪፖርት ምስ 58 ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ዝተመስረተ ኮይኑ ቤተሰብ ግዳያት`ውን ዝሓወሰ`ዩ።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ጋምቤላን`ውን ሸውዓተ ሲቪላት ከምዝቐተሉ፡ ሽዱሽተ ካልኦት ድማ ኣብ ማእከል ተኹሲ ከምዝተቐተሉ ጸብጺቡ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ካብ መንግስቲ ርእይቶ ንምስማዕ ተፈቲኑ ኣይተረኽበን። ኮሚሽን ፖሊስ ጋምቤላ ግን ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ተሓተቲ እቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ`ዮም ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG