ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናይ 1.5 ቢልየን ዶላር ግዚያዊ እፎይታ ለቓሕ ረኺባ


ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ-ፋይል
ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ-ፋይል

ሕጽረት ጥረ-ገንዘብ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኢትዮጵያ ምስ ኣለቃሕቲ ናይ 1.5 ቢልየን ዶላር እፎይታ ለቓሕ ከም ዝተሰማምዐት ሓላፊ ማእከላይ ባንኪ'ታ ሃገር ኣቶ ማሞ ምሕረቱ ኣፍሊጡ። ኣቶ ማሞ ምሕረቱ ኣብ መግለጺኡ፡ ካብ ጉጅለ ኣለቃሕቲ ፓሪስ ክለብ ዝወጸ መግለጺ ኣዝዩ ሓጋዚ `ዩ ኢሉ። “በቲ ግዚያዊ እፎይታ ለቓሕ፡ ናብ ኣገልግሎት ለቓሕ ክኽፈል ዝነበሮ 1.5 ቢልየን ዶላር ኣድሒና ኣለና” ክብል ድማ ንኣባላት ፓርላማ ሃገሩ ተዛሪቡ።

ፋይናንሳዊ ጉዳይ`ታ ሃገር ብሰንኪ`ቲ ንክልተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ከምዝተሃስየ ይግለጽ። ድሕሪ`ቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ሰባት ዘህለቐ ኵናት፡ መንግስቲ ንሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግም ንምህናጽ ኣስታት 20 ቢልየን ዶላር ክሓትት ጸኒሑ`ሎ። እታ ወደብ ኣልባ ሃገር፡ 28 ቢልየን ዶላር ለቓሕ ተሸኪማ ብልዑል ዝቕባበ ገንዘብን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ትጭነቕ ከም ዘላ ይግለጽ። ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዕዳ ወጻኢ ፍርቁ-14ቢልየን ዶላር ካብ ቻይና`ዩ።

ኣብ 2018 ናብ መዝነት ዝመጸ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ቁጽጽር ዝበዝሖ ቁጠባ ሃገሩ ንምኽፋት ጽገናዊ ለውጢ ክገብር`የ ኢሉ ኔሩ፡ እንተኾነ እቲ ቁጠባ ኣብ ቀረባ ዓመታት እናሓመቐ ከይዱ እቲ ዝተባህለ ጽገናዊ ለውጢ `ውን ኣይሰጎመን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG