ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኮይና


ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ
ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ

ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ/ሃ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተካየደ ዋዕላ ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ኮይና ክትኮን ተመሪጻ። ካብ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳዊያን ጀሚሩ ንክልተ ዓመት መንበር ክህልዋ’ዩ።

ኣብ’ቲ ትማሊ ዝተካየደ መስርሕ ምርጫ ካብ 190 ኣባል ሃገራት ኢትዮጵያ 185፣ ቦሊቭያ ድማ 183 ድምፂ ብምርካብ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይነን’የን ኣብ መባእታዊ ዙር ተመሪፀን።

እተን ድምፀ ተኣቅቦ ወይ ተቃውሞ ዘስማዓ 5 ሃገራት ኣየኖት ከምዝኾና ንፁር ኣይኮነን ግን ንጥርጥረን ሃገራት ኣለዋ። መንነተን ምጥቃስ ግና ኣየድልን ኢሎም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ።

ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ወኪላ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ትሰርሓሉ እዋን ብብቅዓት ሓላፍነታ ከምዝትፍፅም’ውን ገሊፆም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:13 0:00

XS
SM
MD
LG