ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትግራይ ናብ ‘ንቡር ተመሊሳ' ይብል ነበርቲ ግን ኣብ ፍርሒ ከምዘለው ይገልጹ


ክልል ትግራይ ናብ "ንቡር ኩነታት ተመሊሳ" ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ምምሕዳር ባይደን ብውልቂ ይነግሮም ኣሎ።ሓደሽቲ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግን ውቃዕ ዓረር ጠያይቲ ኣብ ዘለዎም ገዛውትን ፈቐዶ ከባቢታት ገጠርን ዝተሓብኡ ነበርቲ ትግራይ ኣብ ፍርሒ ከምዝርከቡ ገሊፆም።እቲ ኵናትን ሕፅረት መግቢን ዘሕደሮ ፅልዋ ገና ኣይተፈለጠን።

ሓደ በዓል ስልጣን ዶብ ኣልቦ ሓካይም (Doctors Without Borders) ናይ ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል "ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ብሓቂ እውን ብቐታሊ ሳዕቤናት ይሳቐ ኣሎ’’ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ሓደ ናይ ቀደም በዓልስልጣን ካብ ገጠር ክልል ትግራይ ብስልኪ ከምዝበሉዎ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ርሑቕ ከባቢታት ቅድሚ ምእካብ ምህርቲ ወታሃደራት ስለዘቃፀሉዎ ወይ ስለዝሰረቑዎ ጥምየት ነቲ ገባር ቆሪኑዎ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ሕዳር ዝጀመረ ግጭት ቀፂሉ ኣሎ።ገሊኦም ሜላታት ርክብ ተቛሪፆም ነበርቲ ዝወረደ ነገር ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ብፍርሒ ተዋሒጦም፤ዳርጋ ኩሎም ጋዜጠኛታት እውን ከይኣትው ተኸልኪሎም'ዮም።ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ይእመን።

ምኽትል ቀዳማት ሚኒስትር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነንን መሳርሕቶምን ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ትካል ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዘዳለዎ ናይ ውልቂ ኣኼባ መብርሂ ሂቦም ኔሮም።ኣብ ክልል ትግራይ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ረኺቦም ኣለው ኢሎም።ስደተኛታት ኤርትራ ብሕማቕ ተታሒዞም ዝብል "ሓሶትን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎም ክስታትን’' እዮም ክብሉ ስኽፍታቶም ምግላፆም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓቢሩ ኣሎ።ሰራሕተኛታት ባይደን ኣብቲ ኣኼባ ምስታፎም ፀብፃብ ፋና ሓቢሩ።

ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ጎኒ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንፃር ሓይልታት ክልል ትግራይ ብዝተዋግኡ ወታደራት ኤርትራ ዒላማ ኮይኖም ኣለው።ምምሕዳር ባይደን እሙናት ፍፃመታት ስርቂ፣ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት መግሃስትታትን ብምጥቃስ ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ክትወፅእ ፅዕንቶ ይገብር ኣሎ።

ዋላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ መግለፂ ከምዚ እንተበለ እውን ኣብ ቀረባ ዝተሸመ ምምሕዳር ትግራይ ግን ልዕሊ 4.5 ሚሊዮን ሰባት ህፁፁ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮን ገለ ሰባት ድማ ብጥምየት ምሟት ከምዝጀመሩን ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ኣተሓባብሪ ዶብ ኣልቦ ሓካይም \Doctors Without Borders\ Albert Vinas ዘውፅኡዎ ሓዱስ ሓበሬታ ብሰንኪ ውግእን ፍቓድ ንምርካብ ኣፀጋቢ ብምዃኑን ምእታው ኣብ ዘይክኣለሎም ‘'ኣብ ከባቢታት ገጠር ክኸውን ብዝኽእል ኣዚና ተጨኒቕና ኣለና’’ኢሎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ‘’ዓበይቲ ዓዲ ናይቲ ማሕበረሰብን ባህላዊ መራሕትን ናይዞም ከባቢታት እዚኦም እቲ ኩነታት ኣዚሕ ሕማቕ ምዃኑ ነጊሮምና እዮም’’ኢሎም ኣለው ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝወፀ ፅሑፎም።

ኣብ ትግራይ ነበርቲ ስልኪ ቕፅሮም ኣብ ወረቐት እናፀሓፉ ስድርኦም ንሰሙናት ሃለዋቶም ዘይፈልጡ ክደልዩሎም ንመሳርሕቶም ከምዝሃቡዎም ኣልበርት ቪናስ ገሊፆም።

ካብ መወዳእታ ታሕሳስ ጀሚሮም ንከተታማታት ዓዲግራት፣ኣክሱምን ዓድዋን ብእካላ ምስ ርኣይወን ‘’ብከቢድ ፍርሒ ኣብ ውሽጢ ገዛውቱ ዝተዓፀወ ህዝቢ ሪኢና’’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ዓዲግራት ‘’እቲ ኩነታት ኣዚዩ ወጥሪ ዝተመልኦ፣ ሆስፒታላት ድማ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ነይሮም ‘'ምስ በሉ ቪናስ ኣስዕብ ኣቢሎም ‘’ምግቢ የለን፣ማይ የለን፣ገንዘብ የለን።ብከቢድ ቆሲሎም ዝመፁ ሕሙማት ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ኣይረኽቡን’’ኢሎም።

ካብ ሆስፒታላት ወፃኢ ዘለው ካብ ከተማ መቐለ ክሳብ ኣክሱም ብእናፈት ሰሜን ናብ ኤርትራ መኸዲ ማእኸላት ጥዕና 90 ምእታዊ ኣይሰርሓን ዘለዋ።

‘’ብዙሕ ቕፁሪ ዘለዎ ህዝቢ ይሳቐ እዩ ዘሎ ብሓቂ እውን ናብ ሞት ዘብፅሕ ሳዕቤናት ኣለዎ ኢሎም። ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክታበት ስለዘይተውሃበ ኣብ ቀረባ ለበዳ ከይልዓል ንሰግእ ኢና ‘’ኢሎም ቪናስ ብምውሳኽ።

ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን ዝተብሃለ ትካል ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ካሊእ ፅሑፍ ቅድም ክብል ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሙሉጌታ ገብረሂይወት በርሀ ካብ ገጠራት ትግራይ ንዳይረክተር ኣሌክስ ዲ ዋል ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ ።ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ቅድሚ ምህርቲ ሓይልታት ኤርትራ ንዘራእቲ ስለዘቃፀሉዎ ወይ ስለዝሰረቑዎ ‘’ጥምየት ነቲ ገባር ይቑርኖ ኣሎ’’ ኢሎም።

‘’ኣብ ቀረባ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ክንሪኢ ኢና’’ኢሎም ብምውሳኽ ሙሉጌታ ጫልቱ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ንሕቶታት ይኹን ተሳትፎ ወታደራቶም ኣይመለሱን።ኢትዮጵያ ድማ ዋላዃ መሰኻኽር ዓይኒ እተተዛረቡ ንሃለዋት ወታደራት ኤርትራ ትነፅጎ እያ ዘላ።

እቲ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮቪድ 19ን ኣብ ትግራይ ኩነታት ምግቢ ኣዚዩ ሕምቕ ነይሩ ይብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኦክስፋም ገዛህኝ ከበደ ገብረሃና ንAP ኣብ ዝሃብዎ ቃል።

‘’እቲ ኵናት ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ናብ ጫካ ሃዲሞም።ምስ ተመለሱ ግን መብዛሕቲኦም ገዛውቶም ዓንዩ ወይ ንብረቶም ተዘሪፉ’' ኢሎም ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ተበፃሕነት ኣብ ዘለዎ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘሎ ምስተገምገመ።’’ካብ ዝርኣናዮ ምግቢ ኣዚዩ፣ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ’’ኢሎም ብምውሳኽ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብዘይደረት ንምብፃሕ ኢትዮጵያ ክትፈቅድ ዓለምለኸ ፀቕጢ ቀፂሉ ኣሎ።ኣቶ ገዛህኝ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ ከምዝገበሮ ካልኦት መንግስታት እውን ዝውሃብ ሓገዝ ከይሕዙ ኣጠንቂቖም ኣለው።

‘’ለገስቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክንደፍኦ ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ ነገር ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈፂሙ ኢዱ ኣይህብን’’ኢሎም።’'ሰናይ ዕላምኡ’’ከምዝርድኡ ብምግላፅ ነገር ግን ‘’ሳቐ እቲ ህዝቢ እዩ’’ኢሎም።

እዚ ኣብ ላዕሊ ቀሪቡ ዘሎ Associated Press ዝፀብፀቦ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብና ሓላፍነቱን ሽሙን ክግለፀሉ ዘይደለየ ወታደር ኤርትራ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ሰራዊት ኤርትራ ‘’ኣብ ከተማታት ትግራይ ንተጋሩ የድሕንን ይከላኸልን እዩ ነይሩ።እቲ ዝብሃል ዘሎ ግፍዒ ኣይፈፀመን’’ ክብል ብምግላፅ ሕዚ ኣብ መሬቱ እዩ ዘሎ ክብል ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG