ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ክቅጽል’ዩ ትብል ኢትዮጵያ


ሚንስቲራት ወፃኢ ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ካርቱም
ሚንስቲራት ወፃኢ ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ካርቱም

ጎና ጎኒ ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ምምላእ ማይ’ውን ሓቢሩ ከምዝቅጽል ኢንጅነር ጌደዎን ኣስፋው ገሊጾም።

ኣብ ልዝብ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብጽን ዝተሳተፉን ንቴክኒካዊ ኮሚተ ኢትዮጵያ ዝመርሑን ኢንጂነር ጌደዎን ኣስፋው ‘ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ’ቲ ግድብ ንክተደናጉዮ ተሰማሚዓ’ያ ንዝብል ሪፖርት መራኸቢ ብዙሃን ግብጺ ነጺጎም።

ሚኒስትራት ወጻኢን ማይን ሰለስቲኤን ሃገራት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ካርቱም ሱዳን ከምዝተራኸቡ ዝዝከር’ዩ። ውጽኢት’ቲ ልዝብ ግና ኣሳሓሒቡ’ዩ።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ክልተ ነጥቢታት ተሰማሚዖም’ዮም። ቀዳማይ ሳዕቤን’ቲ ግድብ ንዘጽንዓ ክልተ ኩባንያታት መሪጾም፣ ካልኣይ ንውዕል ካርቱም ንምትግባር ወሲኖም’ዮም።

ድሕሪኡ ሪፖርታት ዘውጽኣ መራኸቢ ብዙሃን ግብጺ ግና፣ እተን ኩባንያታት ጸብጻብ ክሳብ ዘቅርባ፣ ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሴ ማይ ንዘይምምላእ ተሰማሚዓ’ያ ኢለን’የን። ኢንጂነር ጌደዎን ግና፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝተሰማማዓሉ ውዕል ንኣመላልኣ ማይ’ቲ ግድብ ዝድርት ኣይኮነን ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ክቅጽል’ዩ ትብል ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

XS
SM
MD
LG