ኢትዮዽያ እቶም ካብ ስዑድ ዓረብ ንክወፁ ዝተኣዘዙ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ንምግዓዝ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቅፅል ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ገሊፆም።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መግለፂኦም ኣብ መዓልቲ ይፍፀም ዝነበረ ሽዱሽተ በረራ ነፈርቲ ብዕፅፊ ወሲኹ ናብ 12 ክብ ከምዝብል ኣፍሊጦም።
ንሶም እቶም ተመለስቲ ንዘፅለሉሉ ከባቢ ከምዝበፅሑ ሚድያታት ፀብፂበን‘ለዋ።እቶም ተመለስቲ ነባራይ ፍታሕ ንክረኽቡ ፈዴራላዊን ክልላውን መንግስታት ተሓባቢሮም ክሰርሑ‘ዮም ኢሎም።
”እዞም ወገናትና ምምላሶም ፅቡቅ‘ዩ ግን ነባራይ ፍታሕ‘ዩ ዘድልዮም። ሓገዝ የድልዮም‘ሎ።ስለዚ ፈዴራላዊን ክልላውን መንግስታት ተሓጋጊዝናን ትኹረት ሂብናን ክንድግፎም ኢና” ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ።
ዛጊድ 13 ሽሕ ኢትዮዽያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ዓዶም ከምዝተመለሱ ተፈሊጡ‘ሎ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።