ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ወሰኽ ምሃያ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተ መሃያ 420 ብር እንትኸውን ናይ ዝለዓለ ደመወዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ መበገሲኡ 4343 ብር ክኸውን`ዩ

መንግስቲ ነቲ ወሰኽ ደመወዝ ዝገበረ ሰራሕተኛታት ምኽባር መነባብሮ ንምፅዋር መታን ክኽእሉ ምዃኑ ምንስቴር ስቪል ሰርቪስ ኣቶ ጁኔዲን ሳዶም ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም።

"ንምፅዋር ምኽባር መነባብሮ ዝተገበረ ወስኽ ደመወዝ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ናይ መማረፂ መፅናዕትታት ምስተኻየዱ ቀዳማይ ናይ መንግስቲ ናይምኽፋል ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው ካልኣይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዕዳጋ ዘሎ ዝተሓተ ደመወዝ ናይ ዘለዎም ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ብምውዳድ ዝተወሰነ እዩ"

መንግስቲ ተወሳኺ 4.76 ቢሊዮን ብር ከምዘውፅአ እቶም ምንስቴር ገሊፆም ኣለው።

እቲ ሓድሽ ናይ ደመወዝ ወሰኽ ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን 17 ሽሕን ሰራሕተኛታት ክልልን ፌደራልን ዝሽፍን እንትኸውን ምክልኻል ፖሊስ ሽሞኛታት መንግስትን ኣብ ዝተፈላልየ ብርኪ ዝርከቡ ተመረፅቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ የጠቓልል ክብል ወኪልና መለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኾ ፀብፃብ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG