ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኤርትራ ዝተላኣኹ ንዝበለቶም ኣስታት 30 ዕጡቃት ደምሲሰ ትብል ኢትዮጵያ፣ኤርትራ ነቲ ክሲ ትነፅጎ


ምዕራብ ትግራይ
ምዕራብ ትግራይ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳቡብ ምዕራብ ትግራይ፣ካብ ኤርትራ ሰጊሮም ክኣትው ንዝፈተኑ ካብ 30 ዘይበዝሑ ዕጡቃት ከምዝተደምሰሱ፣ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንኮምሽነር ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣሰፋ ኣብዪ ዝጠቀሰ ብሮድካስቲንግ ፋና፣ብመንግስቲ ኤርትራ ተላኢኾም ዝተባሃሉ እቶም ዕጡቃት፣መብዛሕተኦም ተቀቲሎም፣ ዝተረፉ ተማሪኾም ይብል።

ካብ’ቶም ዕጡቃት ሓደ’ውን ኣየምለጠን፣ስለዚ ዝተዋሃቦም ልእኽቶ ሙሉእ ንሙሉእ ፈሺሉ’ሎ ይብል እቲ ዜና።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ፣መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኢትዮጵያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ንምህዋኽ ዝስዕቦ ስትራተጂ እንተዘይቀይሩ፣ኢትዮጵያ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክትወስድ’ያ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

መንነቶም ክንጠቅሶ ዘይደለዩ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ መግለፂ ተሓቲቶም ክዛረቡ ከለው ‘ኣብ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ርፅም ብዝተኸሰተ ቁፅሪ ንኤርትራ ምጥቃን ልሙድ ኮይኑ’ሎ፣ፍግዕ ኢሉና ሎምስ፣እንታይ ኢና'ሞ ክንብል? ንውሽጣዊ ፀገሞም ኣቀዲሞም እንተዝፈትሑ ምሓሾም’ ዝብል መልሲ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG