ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ መበል 12 ክልል ክምስረት ኣጽዲቑ


ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ መበል 12 ክልል ክምስረት ትማሊ ረቡዕ 5 ሓምለ 2023 ኣፅዲቑ። እዚ ውሳነ ዝጸደቐ ዝተፈላለዩ ብሄርን ብሄረሰባት ዝርከብሉ ናይ ደቡብ ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ኣብ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ዘካየዶ ህዝበ ውሳነ(ረፈረደንም)'ዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጹ ዝተመስረተ ሳልሳይ ክልል "ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ’’ ብፓርላማ'ታ ሃገር "ብምሉእ ድምፂ" ምጽዳቑ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉይ ወረዳታትን ብረፈረንደም ኣቢሎም ድልየቶም ምስ ገለፁ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ድማ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተጋብኣ ኣኼብኡ መበል 12 ክልል ክምስረት ምውሳኑ መግለጺ'ቲ ቤት ምኽሪ ይሕብር።

ኣቐዲሞም ሲዳማ ኣብ 2019፡ ደቡብ ምዕራብ ድማ ኣብ 2021 ክልላት ኮይነን ምምስራተን ይዝከር።

ኣብ 1995 ብዝወፀ ሕገ መንግስቲ'ታ ሃገር ሰበስልጣን ናይ ዝኾነ ይኹን ብሄርን ብሄረሰባትን ሓድሽ ክልል ንምምስራት ህዝበ ውሳነ ከተሓባብሩ ይፈቅድ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG