ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ፡ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ማእከል ትኸውን ከምዘላ ገሊጾም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ቅናት መንገዲ ቻይና
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ቅናት መንገዲ ቻይና

ኣፍሪቃ፣ ዓቅሚታታ ብምንጻር ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ማእከል ትኸውን ከምዘላ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ረቡዕ 18 ጥቅምቲ 2023 ገሊጾም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብ’ቲ ቻይና ዘዳለወቶ ዋዕላ ተበግሶ ቅናትን መገዲን ኾይኑ ኣብቲ ዋዕላ ዘስምዕዎ መደረ እታ ተረሲዓ ዝነበረት ክፍለ ኣህጉር፣ ሎሚ ንዲሞግራፊያዊን ተፈጥሮኣዊን ጸጋታታ ኣብ ረብሓ ተውዕሎ'ላ ክብሉ ጠቂሶም።

እቶም ቀ/ሚ ኣፍሪቃ፣ ግዳይ ለውጢ ኣየርን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝካየዱ ግጭታትን ኮይና ከምዝጸንሐት ንሓባራዊ ድሕነት ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ መድረኻት ተዓዘብቲ ጥራሕ ክትኸውን ኣይግባእን ኢሎም ።

መራሒ ቻይና ዢ ጂፒንግ ብወገኖም ነቲ ናይ ትሕተ ቅርጺን ጸዓትን ፕሮጀክትታት ብምስራሕ ንኤስያ ምስ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ዘራኸበ ፕሮጀክት ንዒዶም። ንሶም ወሲኾም ነቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ቁጠባ ቻይና ንዘሎ ጽግዕተኝነት ምጉዳል ዘሎ ድፍኢት መኪቶም።

ኣብ’ቲ ቻይና ተተኣናግዶ ዘሎ ዋዕላ፣ ብሕልፊ ካብ ሃገራት ደቡብ ዝተወከሉሉ ልዕሊ 130 ሃገራት ይሳተፋሉ ከምዘለዋ ትካል ዜና ሮይተርስ ዝላኣኾ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG