ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ - ተመስገን ጥሩነህ ንቦታ ደመቀ መኮነን ተኪኡ


ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና ኣብ ዝካየዶ ርክብ
ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና ኣብ ዝካየዶ ርክብ

ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና ኣብ ዝካየዶ ርክብ፡ ንተመስገን ጥሩነህ ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ገይሩ መሪጹ። ንኣገባብ ኣሰራርዓ ስልጣን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣቐዲሙ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ ተመስገን ጥሩነህ ንቦታ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሚኒስተርን ጉዳያት ወጻኢ ክሕዝ ትጽቢት ከም ዝግበሮ ሮይተርስ ኣሚቱ ኣሎ። በዚ ተገይሩ ዘሎ ለውጢ ን11 ዓመታት ኣብቲ መዝነት ዝጸንሐ ደመቀ መኮነን ካብ መዝነቱ ምልቃቑ፡ ንናይ ቀረባ ምንጭታት ብምጥቃስ ሮይተርስ ኣስፊሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ገይሩዎ ዘሎ ምልውዋጥ ስልጣን ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰልፊ ጥራሕ ዲዩ ወይስ ናብ መዝነት መንግስቲ ክሰግር ብንጹር ኣየመልከተን።

ደመቀ መኮነን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ 2012 ድሕሪ ምማቱ ናብቲ መዝነት ዝመጽአ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 መዝነት ድሕሪ ምሓዙ ኣብ ዝነበረ ምቅይያር መዝነት ድማ ኣብቲ ገዛኢ ሰልፊ ቀጺሉ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ 2020 ድማ ናብ መዝነት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ተመሊሱ።

ንመዝነት ደመቀ ዝትክእ ዘሎ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ድማ ብመሪሕነት ዘገልገለ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG