ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምጺ ኣመሪካ ብመንነቶም ካብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኣዘራሪቡ


ድምጺ ኣመሪካ ብመንነቶም ካብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኣዘራሪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:19 0:00

ድምጺ ኣመሪካ ብመንነቶም ካብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኣዘራሪቡ

ትካላት ተሓለቅቲ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝኣተዎ ውግእ፣ ኣብ ውሽጣ ትግንፍል ዘላ ሃገር እያ ይብሉዋ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንገሊኦም ሰለልቲ እዮም ድሕሪ ምባሉ ዝሓለፈ ዓመት ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ትግራይ ብዘይ ምጽራይ ተኣሲሮምን ተጋፊዖምን እዮም።

ሓደ ንድሕንነቱ ኢሉ መንነቱ ንክዕቀበሉ ዝሓተተ ትግራዋይ "ፖሊስ ቃሕ ዝበሎ እዩ ዝገብረካ" ይብል።

ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝኣምሰሉ ተሓለቅቲ ትካላት"ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ክነጥቃዓ ኢና ድሕሪ ምባሎም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሕዳር ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ምስ ተግበረ፣ መንነት ተኮር ማእሰርቲ ወሲኹ እዩ" ይብሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ሪፖርት ዘውጸአ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ "ኣስታት 15 ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ካብ ሕዳር ክሳብ ለካቲት ኣብ ዝነበረ ጊዜ ከምዝተኣሰሩ፣ ካብ መንጎኦም ሸውዓተ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞቱ፣ ገሊኦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣብ ሚዛን ተፈሪ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወሰዱን" ሓቢሩ እዩ።

ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ሞትን መግሃስቲ መሰላትን ካብ ናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይካኣለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምውሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኩሎም ተፈቲሖም እዮም" ይብል።

ወካሊት’ቲ ኮምሽን ታሪክዋ ጌታቸው "ንሕና ክሳብ ንፈልጦ፣ ምስ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ተታሓሒዙ ዝተኣሰሩ ሰባት ኩሎም ተፈቲሖም እዮም" ትብል።

XS
SM
MD
LG