ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደንበ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ፡መንግስቲ ንግድብ ህዳሴ ዝሓዘሉ ኣገባብ ይነቅፍ


ም/ቀ ሚ/ር ኢትዮጵያ ግና ተቃወምቲ ዝዛረብዎ ኣይፈልጡን ይብሉ

ኣብ ሩባ ኣባይ ብዛዕባ ዝህነፅ ግድብ ህዳሴ፣ብደንበ ተቃወምቲ ዝኾነ መድረኽን ብመንግስቲን ዝተፈላለየ ትርጉም ይረክብ‘ሎ።ግድብ ህዳሴ ኣብ ኢትዮዽያ ቀንዲ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ‘ሎ።ንመንግስታዊ መግለፂ ዝተከታተሉ ተቃወምቲ‘ውን መርገፂኦም የፍልጡ ቀንዮም‘ለው።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ሪኢቶኦም ንቪኦኤ ዝሃቡ ኣቦ-መንበር መድረክ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ንብመሰረቱ ህንፀት‘ቲ ግድብ ዝድገፍ‘ዩ ኢሎም ነይሮም።እንተኾነ ሕቶ ኣለና ባሃላይ‘ዮም ኣቶ ገብሩ።

”ቀዳማይ ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ ድዩ ዝብል‘ዩ።እዚ ውጥን‘ዚ ኣብ መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ኣይተሓቆፈን።ንፖለቲካዊ መፅባዓ ኢሎም ስቅ ኢሎም ሸሞንተ ሽሕ ክመልአለይ‘ዩ ኢሉ ዝገበሮ ከይኸውን ስክፍታ ኣለና። ካልእ መስኖ ኣይተሓወሰን።ከምዚ ዝዓይነቱ ፕሮጀክት ክህነፅ ከሎ ዝላዓለ ረብሓ ዝህብ ክኸውን ይግባእ።ሕቶ ፀጥታ፣ሕቶ ዲፕሎማሲ ብዝግባእ ተሰሪሑሉ ድዮ ዝብል ሕቶ ኣሎና።እዚ ገንዘብ ድማ ናይ ኢህወዴግ ገንዘብ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ኢትዮዽያ ገንዘብ‘ዩ።ስለዚ ኢህወዴግ ንመናውሒ ስልጣኑ ኢሉ ዝብለፀሉ ከይኸውን ክንጥንቀቅ ኣለና።የዋፅእ እንተኾይኑ‘ውን ኣይበርሀልናን።ስለዚ ሃንደበት ዝወደቀና‘ዩ መሲሉ ዝራኣየና ዘሎ” ይብሉ ኣቶ ገብሩ።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ግና ምስ ገምጋም መድረኽ ኣይሰማማዕን።ዝሓለፈ ሰሙን መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ቀ/ሚን ምንስቲር ወፃኢን ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣መራሕቲ መድረኽ ከምኡ ምባሎም፣ንህልዊ ኩነታት ኢትዮዽያ ክንደየናይ ዘይፈልጡ ምኻኖም ዘርኢ’ዩ ዝብል መልሲ ሂቦም‘ዮም።መንግስቲ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር ብመስኖ ከምዝለምዐ ምስሓበሩ ተቃወምቲ ዝዛረብዎ ኣይፈልጡን ኢሎም።

እዞም ሓይልታት‘ዚኣቶም ብዘውፅእዎም መግለፂታት ንህልዊ ኩነታት ኢትዮዽያ ከምዘይፈልጡ ንባዕሎም የቃልዑ‘ለው።ብሓደ ወገን ኢትዮዽያ ናብ ኢንዱስትሪ ቀልጢፋ ኣይትኣቱን ዘላ ኢሎም ይኸሱና።ብካልእ ወገን ንኣሳልጦ ኢንዱስትሪን ንምንካይ ድኽነትን ኣበርክቶ ንዘለዎ ህንፀት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይቃወሙ።ስለዚ ነንርእሱ ዝዋቃዕ ቁጠባዊ ኣተናትና ከምዝኽተሉ እዩ ኢሎም ኣቶ ሃይለማርያም።

ንሶም ወሲኾም፣ግድብ ህዳሴ ሃንደበት ዝተጀመረ ኣይኮነን፣ቅድሚ ኣርባዓን ሓሙሽተን ዓመታት ብኣሜሪካውያን ዝተፀንዐን፣ኣብ‘ዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተወሳኺ መፅናዕቲ ከምዝተገበረሉን ሓቢሮም።የዋፅእ ድዩ ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለው ”የዋፅእ ድዩ? ዝብል ሕቶ፣ቅድሚ ኩሉ ህንፀት ግድብ ሎሚ ንጅምር ሃገርን ህዝብን ኣይኮናን።ኣከታቲሉ ሰሪሕና ዘርአይና ህዝብን ሃገርን ኢና።እዚ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሎሚ ዘይተሃንፀ ግድብ ዝሃነፀ መንግስቲ‘ዩ።ስለዚ ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ንህዝቢ ኢትዮዽያ ከእምንሉ ዘኽእሎም ቅንጣብ ምኽንያት የብሎምን።ምኽንያቱ ተግባር ዘሐግዞም ስለዘይኮነ።ስለዚ ቁጠባዊ ዘዋፅእ ምኻኑ ኣይተፀንዐን ዝብሉ መዓዝ ሪኦሞ‘ዮም ከምኡ ዝብሉ ዘለው?ካብ‘ቶም ዝሃነፅናዮም ግድባት እቲ ዝሓሰረ ዋጋ ዘኽፍል፣እዚ ግድብ‘ዚ‘ዩ። እንተደልዮም ክነርእዮም ንኽእል ኢና” ኢሎም።

መድረክ ኣብ መግለፂኡ፣ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ፕሮጀክታት ቅድሚ ምትግባሮም፣ፖለቲካዊ ምርድዳእ ኣድላዪ‘ዩ ይብል።መንግስቲ ኢትዮዽያ ብወገኑ፣ግድብ ኣባይ ብሙሉእ ሱታፌን ተበግሶን ህዝቢን ክስራሕ‘ዩ ዝብል መርገፂ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG