ዋሽንግተን —
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ መንግስቲ ንዝገጠሞ መጥቃዕቲን ጸቕጢን ብዝርዝር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱን መራሕቲ’ቲ ትካልን ምክትታል፡ ምፍርራሕን ማእሰርቲን ከምዝፍጽም ሓቢሩ።
እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ኣባላትን ካብ መንግቲ ምክልባትን መጥቃዕቲን ከምዝገጥሞም፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ድማ መብዛሕትኡ ጊዜ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይን ሓበሬታ ንምእካብን ኣብ ዝካየድ ጻዕርታት ዘጋጥም ከምዝኾነ መግለጺ’ቲ ትካል ይሕብር።
ብኻልእ ወገን ኢሰመጉ ኣብ ልዕሊ ናይ ስነ ጥበብ ስርሓትን ሰብ-ሞያን ዝፍጸሙ ጸቕጢታት ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ስነ ጥበባዊያን ስራሓቶምን ዝበጽሑ ዘለው ምክልባት፡ ክልከላ፡ ማእሰርቲን ጸቕጢን ይውስኹ ምህላዎም መግለጺ ኢሰመጉ ሓቢሩ።
ቅጥዒ