ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ የመን ዝተመልሱ ኢትዮጵያዊያን መንግስቲ ንዝገበረሎም ሓገዝ ንኢዶም


Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo

ኣብ ጥቓ ሞት ካብ ዝነበርናላ ሃገር ናብ ሃገርና ምምላስና ኣሐጒሳት ኢና ክብሉ ትማሊ ካብ የመን ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ኢትዮጵያዊያን ገሊፆም።መንግስቲ ንዝገበሮም ፃዕርታት እውን ንኢዶም ኣለው።

ናብ ሃገሮም ንምምላስ ካብ ዝተመዝገቡ ኣርባዕተ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ዛጊድ 2,524 ናብ ኢትዮጵያ ምምላሶም ዝገለፁ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ / ቴድሮስ ኣድሓኖም እቶም ዝተረፉ እውን ካብ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝውሓደ ሒደት ማዕልታት ምግዓዝ ከምዝክኣል ሓቢሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየተን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ የመን ዝነበረትን ከዲጃ መሓመድ ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቆልዑትን እያ።ሞት ካብ ዝነገሰላ የመን ትማሊ ምሽተ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተመልሱ ሓንቲ እያ።

የመን ካልአይቲ ሃገርና ነይራ ዝበለት ከዲጃ ከቢድ ሽግር ከምዘሕለፈት ትዛረብ።ደብዳብ ነፈቲ ብዓይና ከምዝረኣየትን ትነብረሉ ዝነበረት ገዛ ብፍንጀራ ከምዝፈረሰን ትገልፅ።

‘’ክዳውንትናን ኣቑሕትናን ገዲፍና ንህይወትና ኢና ኣውፂኢና’’ ምስ በለት ኣስዒባ ‘’ ኢትዮጵያ ዝገበረትልና ከቢድ ውዕለታ ኣይንርስዖን።ናይ ሰብ ህይወት ምድሓን ማለት ዳግም ከምዝተወልደኹ ገይረ እየ ዝቖፅሮ’’ኢላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ኣዚዩ እናሰርሐ እዩ፤ኣብ የመን ብዝርከብ ኤምባሲ ካብ ዝተሓባእናሉን ካብ ጭንቅን ስለዘውፅአና ኣዚና ኢና ነመስግኖ ኢላ።

ብምኽንያት እቲ ኲናትን ጭንቅን ናብ ሃገራ ብምእታዋ ኣዚያ ከምዝተሓጎሰት ዝገለፀት ውላድ ከዲጃ ዝኾነት 16 ዓመት ዝዕድሚኣ መንእሰይ እቲ ኲናት ኣብ ጥዕንኣ ዘስዓቦ ፀገም ከቢድ ከምዝኾነ ብፍርሒ ናይ ልቢ ድኻም ሕማም ከምዝሓዛ ትዛረብ።

ንሳኽን ሞትን ብቐረባ ኢካ ትረኣአ ዝበለት እዛ መንእሰይ ብዛዕባ ዝተረፋ ኣዕርኽታ ከምእትሓስብ ትዛረብ።ብዙሓት ዝተረፉ ከምዘለዋ ብምግላፅ ናይ ኤርትራዊያን ኣዕርኽተይ እውን የተሓሳስበኒ እዩ ናብዚ እንተድኣ ኣትየን ናብ ሃገረን ክኣተው ስለዘይኽእላ ኣብኡ እናነብዓ ዝተረፉ ኣለዋ፤ኤምባሲ ኢትዮጵያ እንተዝተሓባበሮም ከም ገለ ገይሩ እንተዘውፅኦም ደስ ምበለኒ ትብል።

/ ቴድሮስ ኣድሓኖምን ካልኦት ሚንስትራትን ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ንዝኣተው እኒ ከዲጃ ሓዊሱ 260 ኢትዮጵያዊያን ተቐቢሎምዎም ኣለው።ዶ/ ቴድሮስ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኢትዮጵያዊያን ናይ ምምላስ ከይዲ ብፅቡቕ ይካየድ ከምዘሎን ዛጊድ 2,524 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተመለሱን ገሊፆም።

ኣብ የመን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሰራሕተኛታት ኣብታ ሃገር ስለዘለው ዝተረፉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምምላስ እናሰራሕና ኢና ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ

XS
SM
MD
LG