ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምላስ ኢትዮዽያውያን ካብ ስዑድያ ቀፂሉ‘ሎ


ተመለስቲ ስደት
ተመለስቲ ስደት
ልዕሊ ኩሉ ድሕነት‘ቶም ኣብ ድሕሪት ዝተረፉ ኣዝዩ ከምዘሻቅሎም ተመለስቲ ካብ ስዑድ ዓረብ ገሊፆም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምእታዎም ምስ ቪኦኤ ዝተዘራረቡ ተመለስቲ ስደት፣እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣዝዩ ዘሕዝንን ናብ ዓድና ንክንምለስ ደሪኹና‘ዩ ኢሎም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝበፅሑ ተመለስቲ ስደት ምስ ዝቅበልዎም ቤተ-ሰብ እናተራኸቡ ይራኣዩ።ኩሎም ዘመሳስሎም ድማ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘሕለፍዎ ህይወት ስቃይ‘ዩ።ኣቶ ተኽለወይኒ ገብሩ ዝተባሃለ ተመላሳይ ካብ ስዑድ ዓረብ ክዛረብ ከሎ፣ናብ ስዑድ ዓረብ ንምእታው ናይ ሓደ ወርሒ ጉዕዞ ድሕሪ ምግባሩ፣ናብ ኢትዮዽያ ከምዝተመለሰን ውፁልና ዝብል ትእዛዝ ሓድሽ ኣይኮነን እዚ ናይ ዳሕረዋይ ግና ሓይሊ‘ውን ዝተሓወሶ ምኻኑ‘ዩ ይብል።

እቶም ተመለስቲ ስደት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ብሰላም ስለዝተመለሱ ዕግበት ሓደሮም ገሊፆም‘ዮም።እንተኾነ ድሕነት ኣብ ድሕሪት ዝተረፉ ኢትዮዽያውያን ከምዘሻቅሎም ኣይከወሉን።ናይ መብዛሕተኦም መልእኽቲ ድማ፣ኣርክቡሎም ዝብል‘ዩ።

እቶም ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ኢትዮዽያውያን ገርጂ ኣብ ዝርከብ ባዓል ኣርባዕተ ደርቢ ከዕርፉ ከምዝተገብረ ቪኦኤ ኣረጊጊፁ‘ሎ።መንግስቲ ኢትዮዽያን ማሕበር ስደተኛታት ተሓባቢሮም ንነብሰ-ወከፍ ተመላሲ ተትሻዓተ ሚእቲ ቅርሺ ከምዝሃቦም ገሊፆም‘ዮም ተመለስቲ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንዝርከቡ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ሙሉእ ንሙሉእ ንምውፃእ መደብ ሒዙ ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም‘ለው ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኸልና ሪፖርት።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ዛጊድ ኣስታት 8, 129 ኢትዮዽያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምግላፆም መንግስታዊ ሚድያ ኣፍሊጡ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG