ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ንሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ነፂጋቶ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner
ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ዓመታዊ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዝሓቆፎ ሓድሽ ነገር የለን ዝበለ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣እቲ ሪፖርት ንሓቂ ኣይገልፅን ኢሉ።

ኢትዮዽያን ኣሜሪካን ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝላዘብሉ ሓበራዊ መድረኽ ከምዘሎ ዝጠቀሰ ቤት ፅሕፈት ኮምንኬሽን‘ታ ሃገር፣ነቲ ሪፖርት ዘዳለው ወገናት ግና፣ነቲ ፅምዶ ንክቋረፅ ዝምነዩ‘ዮም ይብል እቲ መግለፂ።

ንናይ ሃገራት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልፅ ዓመታዊ ሪፖርት ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ንክልቲኦም መንግስታት ኣቃድዮ ኣይፈልጥን።ናይ ሎም-ዘበን‘ውን ካብ‘ቶም ሕሉፋት ፍልይ ዝበለ ኣይኮነን።

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ናይ ዓሚ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮዽያ ከምዝነቀፈ ዝዝከር‘ዩ።መንግስቲ ኢትዮዽያ ብወገኑ፣ነቲ ዓመታዊ ሪፖርት ዝብድህ ወግዓዊ መግለፂ ኣውፂኡ‘ሎ ዝሓለፈ ዓርቢ።

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንከማሓይሽ ሓገዝቲ ንዝኾኑ ሪኢቶታት ንምስማዕ ቅሩብ ንዝኾነን ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ዴሞክራስያዊትን ፈደራላዊትን ኢትዮዽያ፣ነቲ ብምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝተዋሃበ ሪፖርት ብዕምቆት መርሚርዎ‘ሎ ይብል እቲ መግለፂ።

እንተኾነ እቲ ናይ ሎም-ዘበን ሪፖርት ካብ‘ቲ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ዝነበረ ሪፖርት ዝተቀድሐን ዝመልአን‘ዩ ይብል።ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝተጠቀመሎም ምንጭታት‘ውን ካልእ ድኹም ጎኒ‘ቲ ሪፖርት‘ዩ ይብል መንግስቲ ኢትዮዽያ ዘውፀኦ ሪፖርት።ነቶም ምንጭታት ድማ፣ደገፍ ህዝቢ ስለዝቀበፁ፣ንመንግስቲ ካብ ሕገ-መንግስታዊ ኣገባብ ወፃኢ ንምቅያር ዝፍትኑ ኢሉ ይነቅፍ።

ዕላማ‘ዞም ሓይልታት ይብል መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ፣መንግታት ኢትዮዽያ ኣሜሪካን ንዘካይድዎ ሓባራዊ መድረኻት ልዝብ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡውን ኣሜሪካ ንሰብኣዊ መሰላት ሓዊስካ ንተብርክቶም ሓገዛት ንምኹላፍን ምቁራፅን‘ዩ ይብል።

ብመንፅር‘ቶም ዝተካየዱ ልዝባት ዝተወሰኑ ምምሕያሻት ከምዝተራኣዩ ኢትዮዽያ ትኣምን ዝብል እቲ መግለፂ፣እቲ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ሪፖርት ግና እቲ ምምሕያሽ ከምዘይተመዝገበ ንክንኣምን ዝድርኽ ኮይኑ‘ሎ ትብል ኢትዮዽያ።

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ከምምንጪ ዝተጠቀመሎም ከምሁማን ራይት ዋችን ዝኣምሰሉ ሓይልታትን፣ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንክቋረፅ‘ዩ ድልየቶም ይብል።

ስለዚ ይብል እቲ መግለፂ፣ኢትዮዽያ ነቲ ዓመታዊ ሪፖርት ነፂጋቶ‘ላ።
XS
SM
MD
LG