ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲን መዳጎኒን ዝነበሩ 842 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲን መዳጎኒን ዝነበሩን 842 ኢትዮጵያውያን ሎሚ ዓርቢ ብኽልተ በረራታት ናብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ከም ዝተመልሱ ተገሊጹ።

ገለ ካእቶም ተመለስቲ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝበልዎ ካብቲ ናብ ስዑዲ ዝገበርዎ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣትሒዙ ክሳብ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝጸንሕሉ እዋን ፈታኒ እዋን ከም ዘሕለፉ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን እቲ ዘይሕጋዊ ጉዕዘኦም ብዙሓት ክቅተሉ ምርኣዮምን ብምግላጽ ሕሰም ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ብዝምልከት ተመኩሮኦም ኣካፊሎም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ ኣብ ሰሙን 12 ብምክያድ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ልዕሊ70-ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ንውጥን ምህላዉ ገሊጾም'ለዉ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG