ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስክርነት ሪፖርተር ቪኦኤ ንዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ


ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ
ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ
ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኢትዮዽያ ንኣየር ካብዘይብክሉ ምንጭታት ሓይሊ ናይ ምምንጫው እኹል ተመክሮ ከምዝወነነት ኢንጅነር ስመኘው ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኢሎም ንሶም ግልገል ጊቤ ካልኣይ፣ተከዘን በለስን ብዝላዓለ ፅፈት ሃኒፃ ናብ ኣገልግሎት ዘብቀዐት ሃገር‘ያ ክብሉ መርተዖ ኣቅሪቦም።እዞም ዝተጠቅሱ ገዘፍቲ ግድባት፣ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ንምስራሕ ሓገዝቲ‘ዮም ኢሎም ንሶም።

ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ገዘፍቲ ስራሕቲ ምህንድስና ዝዕወቱ ቀዋሚ፣ዓለም-ለኻዊን ተቀባልነት ብዝኸሰበ ሳይንሳዊ መትከላትን ኣሰራርሓን እንድሕር ተሰሪሑ ይጠቅሱ እቶም ዋና መሃንዲስ ግድብ ህዳሴ።

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ብግስ ካብ ዝበለሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ክጥቀስ ዝኽእል ርኡይ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ታሕተዋይ መፋስስ ሃገራት ከውርዶ ይኽእል‘ዩ ዝባሃል ስግኣት‘ዩ።ብሕልፊ ግብፂ ተቃልሖ ስግኣት።

ኣብ‘ቲ ቀትሪን ለይቲን ዝስራሓሉ ስፍራ፣ዝቦኸረ ወይ ክነዘራርቦ ንኽእል ሓደ ሰብ ንምርካብ ኣይተኻእለን።ኣብ‘ቲ ዞባ ህንፀት ከምሓላፊ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምመጠን ሰብ እንታይ ከምዝስመዖም ንምሕታት ዝካኣልኩ ንኢንጅነር ስመኘው በቀለ ወዝቢ ኣብ ዝተራኸብናሉ ጊዜ‘ዩ ይብል ኣብ ጉባ ቤንሻንጉል በፂሑ ዝተመለሰ ኣቀባሊና መለስካቸው ኣምሃ።
ሪፖርተር ቪኦኤ ኣብ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ዝራኣዮ ይገልፅ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:59 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG