ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ንዓመታ 750 ሜጋዋት ሓይሊ ከምንጩ‘ዩ


Renaissance Dam
Renaissance Dam
ሳልሳይ ዓመት ምንባር እምነ-ኩርናዕ ህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ፣ኣብ ጉባ ቤንሻንጉል ተዘኪሩ።

ብናይ ግብፂ ተቃውሞ ከይዲ ህንፀት‘ቲ ግድብ ንሓደ ደቂቃ‘ውን ከምዘይተኣጓጎል እናጠቀሰት ኣብ ዝፀንሐት ኢትዮዽያ፣ሓቅነት‘ቲ ኣባሃህላ ሎሚ ተንፀባሪቁ‘ሎ።ዛጊድ ሰላሳ ሚእታዊ ስራሕ‘ቲ ግድብ ተዛዚሙ‘ሎ።

ሓፈሻዊ ህንፀት ምስተዛዘመ ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ዝልግስ እቲ ግድብ፣ንዓመታ ኣብ ፈላማይ ምዕራፉ 750 ሜጋዋት ኤሌክትሪክ ምምንጫው ከምዝጅምር’ውን ተፈሊጡ።

እቲ ኢትዮዽያ ትሃንፆ ዘላ ግድብ ንሰለስቲኤን ሃገራት ልዑል ረብሓ ከምዘምፅእ፣ንግብፅን ሱዳን ርኡይ ጉድኣት ከምዘየስዕብ ጠቂሱ‘ዩ ኢሎም ምንስትር ማይን ኤኔርጅን ኢትዮዽያ።

”ኢትዮዽያ ንዶብ ሰገር ሩባታታ፣ኣብ ጥቅሚ ናይ ምውዓል ሉኣላዊ መሰላ ኣብ ቦትኡ ኣሎ።እዚ መሰላ‘ዚ ክተረጋግፅ ከላ ግና ንፍትሓዊን ምኽኑይ ኣጠቃቅማን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ርኡይ ጉድኣት ከምዘየስዕብ ብምግባር‘ዩ።ብመንፅር‘ዚ ምስ ግብፂ ንምልዛብን ናብ ምርድዳእ ንምብፃሕን ቅሩባት ኢና።ስለዚ ሰበ-ስልጣን ግብፂ ንኣዕናዊ ኣንፈት ንጎድኒ ገዲፎም፣ናብ መኣዲ ልዝብ ንክምለሱ ንፅውዕ” እቶም ምንስትር።
ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG