ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ይቅፅል‘ሎ


ABAY DAM
ABAY DAM
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘላ ኣቀባሊትና ማርታ ቫን-ዴር ዉልፍ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ‘ቲ ናይ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ በፂሓ ከምዝተመለሰት ጠቂስና ነይርና።

እቲ ግድብ ኣብ ሞንጎ ክልተ ጎቦታት‘ዩ ዝርከብ።ብፀጋማይ ኢድ ካብ ዘሎ ጎቦ ናብ‘ቲ ካልእ ወገን ብመኪና ንምብፃሕ ክሳብ 15 ደቃይቅ ይወስደልካ። ክሳዕ ክንደይ ገዚፍ ከምዝኾነ ክትግምት ትኽእል ኢኻ ትብል ማርታ።

ኣብ ጥቃ እቲ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾኑ ተርባይናት ዝትከለሉ ግድብ፣ኣብያተ ፅሕፈት፣መንበሪ ሰራሕተኛታት፣ኣብያተ-ብልዒ ይርከቦ።ካብ‘ቲ ካልኣይ ጎቦ ናብ‘ዚ ስፍራ‘ዚ ንምብፃሕ ድማ ካልእ 10 ደቂቃ ይወስድ። ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ህንፀታት ዝካየደሉ ስፍራ‘ውን‘ዩ።

ፋብሪካ ስሚንቶ፣መሳርሓትን ንህንፀት ዘድልዩ ናውቲን መኻዚኖታትን ኣለው ኣብ‘ቲ ከባቢ።እቲ ዝማረኽ ማይ ዝድቅሰሉ ስፍራ፣ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ ክሳብ 2 ሚእቲ ኪ/ሜ፣ንጎኒ ድማ 1, 700 ሜትሮ ከምዝኸውን‘ውን ትገልፅ ማርታ።ቁመቱ ድማ ሚእቲን ሓምሳን ሜትሮ።

ዝተፈናቀሉ ወይ ናብ ካልእ ስፍራ ዝጋዓዙ ሰባት ኣይራኣኹን።ምኽንያቱ ጉዕዞና ናብ‘ቲ ግድብ ዝህነፀሉ ብቀጥታ ዝወሰደናን ድሕሪ ዑደትና ናብ ዝመፃናሉ ስፍራ ዝመለሰናን ኩነታት‘ዩ ነይሩ።እዚ ማለት፣ኣብ መንገዲና ካብ መኪና ውርድ ኢልና፣ህይወት ሰባት ተፀልዩ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ንክነዘራርብ ዕድል ኣይነበረናን።

ዳሓር ዝሰማዕናዮ፣ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ካብ‘ቲ ከባቢ ከምዝተላዓሉን ኣብ ካልእ ከምዝሰፈሩን‘ዩ።ግን ብዛዕባ‘ቲ ሰፈራ ዝገለፀልና ወገን የለን።ከምኡ ኮይኑ‘ውን ኣብ ጥቃ‘ቲ ግድብ ዝርከባ ቁሸታት ዝነብሩ ሰባት ሎሚ‘ውን ሪኢና ኢና ትብል ማርታ ቫንዴር ውልፍ።
XS
SM
MD
LG