ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንህንፀት ግድብ ህዳሴ ዘሳልጥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስርሑ ጀሚሩ


ንመድረክ ዘግለለ ቤት ምኽሪ ምኻኑ'ውን ተገሊፁ

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ስርሑ ብወግዒ ከምዝጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጥ።እቲ ቤት ምኽሪ ምስ መንግስቲ ስሪት ስነ-ምግባር ፖላቲካዊ ፓርቲታት ዝፈረሙ ተቃወምቲ፣መራሕቲ ሃይማኖታት፣ሙሁራትን ስነ-ጥበባውያንን ብሓፈሽኡ 75 ኣባላት ዝሓቆፈ እዩ።

ሰክረተርያት እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ በረከት ስምኦን፣እቶም ኣብ ትሕቲ መድረክ ዝተሓቁፉ ፓርቲታት ንውዕል ስነ-ምግባር ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ስለዘይፈረሙ ማዕረ እቶም ብሕጋዊ ኣገባብ ክንቀሳቀሱ ዝወሰኑ ኣብ'ቲ ቤት ምኽሪ ክሕቆፉ ኣይግባእን ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መሸጣ ቦንድ ብድልየት ዜጋታት ይፍፀም ኣሎ።ንዜጋታት ኣገዲድካ ገንዘብ ምውፃእን ምእካብን ኣይነበረን ኣይክህሉን'ውን ኢሎም ኣቶ በረከት ስምኦን።

ሙሉእ ቃለ-ምልልስ ምስ ሪኢቶ መድረኽ ሓዊስና ሶኒ ክነቅርቦ ኢና።

XS
SM
MD
LG