ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ኦሮምያ ኢትዮጵያ 52 ኣብያተ-ክርስትያናት ተባሪዖም


ልዕሊ 3 ሽሕ ህዝቢ ተፈናቂሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ኦሮምያ፣ኣሰንዳቦ ኣብ ዝተባሃለት ከተማን ከባቢኣን ክሳብ ትማሊ ሰንበት 52 ኣብያተ-ክርስትያናት ከምዝተባርዑ መሰኻኽር ንቪኦኤ ገሊፆም።ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ጂማ ይሃድሙ ከምዘለው'ውን እቲ ዜና ይሕብር።

እቶም ምንጭታት ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ኣሰንዳቦን ኦሞ ናዳን ኣብ ዝተባሃሉ ከባቢታት ኣብያተ-ክርስትያናት ተባሪዖም‘ለው፣ኣብ‘ቲ ከባቢ ይሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ዎርልድ ቪዥን‘ውን ካብ መጥቃዕቲ ገለ ሙስሊማውያን ከምዝሃደሙን ንብረቶም ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከምዝርከብን ተፈሊጡ‘ሎ።

እቶም ዝተባርዑ ኣብያተ-ክርስትያናት ንብረት ቃለ-ህይወት፣ሙሉ-ወንጌል፣ መካነ-እየሱስን ኣድቨንቲስት ምኻኖም ይፍለጥ።

ብዘይካ‘ዚ 3 ሽሕ ነበርቲ‘ቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ስፍራ ተኣኪቦም‘ለው፣ገሊኦም ድማ ናብ ጅማ ከምዝሃደሙ እቲ ዜና ይሕብር።

ፌደራላዊ ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ነቲ ቅልውላው ንምቁፅፃር ይሰርሑ ከምዘለው‘ውን እቶም ምንጭታት ይገልፁ።ካብ ምምሕዳር‘ቲ ዞባን ካብ እስላማዊ ጉዳያት‘ቲ ዞባን ብዛዕባ‘ዚ ዜና‘ዚ ሓበሬታ ንምርካብ ተፈቲኑ ከምዘይሰለጦ መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት ገሊፁ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG