ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣኼብ ግብረሰዶማዊያን ብምቅዋም መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ክህብዎ ሒዞምዎ ዝነበሩ ጋዜጣዊ መግለፂ ንኻሊእ ግዜ ተመሓላሊፉ


ብኤዲስን ፆታዊ ርክብን ኣብዝመሓላለፉ ሕማማት ዘተኮረ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ዝቕፅል ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት እዩ

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንመሰል ኣፍሪካዊያን ግብረ-ሰዶማዊያን ደቂ ተባዕትዮ ጠጠው ዝበለ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘካይዶ ኣኼባ ብምቅዋም ክህቡዎ ሓሲቦም ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለፂ ንኻሊእ ግዜ ኣመሓላሊፎምዎ።

ዝቕፅል ሰንበት ኣብ ዝጅመር ዓለምለኸ ጉባኤ ኤዲስ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመፁ ዝተገለፀ ናይቲ ትካል ወኪላት እቲ ኣኼባ ዘካይዱ ምስ HIV/AIDS ብምትእስሳር እዩ።

ኣፍሪካዊያን ደቂ ተባዕትዮ ንፆታዊ ጥዕናን መሰላትን ዝተብሃለ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኸካይዶ ዝወጠኖ ኣኼባ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣየሕጎሰን።እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንግብረሰዶማዊነት ብጥብቂ ክኹንኑ ፀኒሖም እዮም።

ናይ ኢትዮጵያ ወንገላዊት መካነ እየሱስ ቤትክርስቲያን ናይ ክብሪ ፕሬዝዳንት ቐሺ ይተፋ ጎበና ሎማዕንቲ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ’ውን ነዚ መርገፂ እዚ እዮም ኣጠናኺሮም።

ነዚ መርገፂኦም ደጊሞም ንምርግጋፅ’ውን ዝቕፅል ቀዳም ንዝካየድ ኣኼባ ግብረሰዶማዊነት ንምቅዋም ኣርባዕተ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሃይማኖት ተቛማት ማለት’ውን ናይ እትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ሓፈሻዊ ጉዳያት ቤት ምኽሪ እስልምና፡ናይ ኢትዮጵያ ወነገላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ እየሱስን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ብሓባር ንናይ ውሽጥን ወፃእን ጋዜጠኛታት ጋዜጣዊ መግለፂ ንምሃብ ፀዊዕም ነይሮም።

ነቲ መገልፂ ሽፋን ንምሃብ ዝመፁ ጋዜጠኛታት’ውን ብርክት ዝበሉ ነይሮም።እቲ መገልፂ ቅድሚ ምጅማሩ ምንስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብሃንደበት ኣብቲ ቦታ ብምብፃሕ ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነዊሕ ዕፁው ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ መገልፂ ከምዘይውሃብ ንጋዜጠኛታት ንምንጋር ካብቲ ኣዳራሽ ዝወፁ ናይ ኢትዮጵያ ወንገላዊት ቤተክርስቲያን መካነ እየሱስ ናይ ክብሪ ፕሬዝዳንት ቐሺ ይተፋ ጎበና እቲ ኣኼባ ንኻሊእ ግዜ ከምዝትመሓላለፈ ብምግላፅ ሓፂር መግለፂ ሂቦም።

ብኤዲስን ፆታዊ ርክብን ኣብዝመሓላለፉ ሕማማት ዘተኮረ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ዝቕፅል ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት እዩ።ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉ እውን ተፈሊጡ ይብል እስክንድር ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኸልና ፀብፃብ።

XS
SM
MD
LG