ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባ 'ፅንፈኛነት' ዝመኸረ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮዽያ ተካይዱ


ETHIOPIA
ETHIOPIA
ብዝሓተቱ ኣመንቲ ምስልምና ዝተጀመረ ምንቅስቃስ፣ምስ ናፅነት ሃይማኖት ርክብ ከምዘይብሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።ዘየዳግም ስጉምቲ ኣንፃር ፅንፈኛነት ክንወስድ ኢና‘ውን ኢሎም።ነቶም ፅንፈኛታት ይድግፉ‘ዮም ንዝበልዎም ተቃወምቲ‘ውን ኣጠንቂቆም።

እቲ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቂ ሎሚ ዝተኸፍተ ጉባኤ ላዕለዎት መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን፣መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ዝተሳተፉሉ እዩ።

ነቲ ሃይማኖታዊ ምክእኣል ዝመኸረ ጉባኤ ብመደረ ዝኸፈቱ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ንእዋናዊ እምነት መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣንፀባሪቆም። ካብ‘ዚ ቀረባ ንዳሓር ምቅልቃል ዝጀመረ እስላማዊ ፅንፈኛነት ንባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ሰላምን‘ታ ሃገር ይዕንቅፎ ከምዘሎን ጠቂሶም።

ኣቶ ሃይለማርያም ኣብ ዘረበኦም ”ኣብ ኢትዮዽያ፣ብጉልባብ ሃይማኖት ዝካየድ ዘሎ ፅንፈኛነት፣ምስ ምርግጋፅ መሰል ሃይማኖት ዘራኽብ ገመድ ዘይብሉ ልኡኽ ጥፍኣት‘ዩ።ቀንዲ ሸቶ ፅንፈኛነት፣ብስምን ጉልባብን ሃይማኖት፣ድልየት ሓደ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሓይሊ ንምፅዓን፣ናብ ግብረ-ሸበራ ዘብፅሕ መንገዲን ግጭትን ህውከትን ደጊስካ ንፅግዕተኛ ድልየት ዝተወሰኑ ወገናት ንምርዋይ‘ዩ” ኢሎም።

መንግስቶም ኣብ ልዕሊ‘ቶም ተሓተቲ‘ዮም ዝብሎም ሓይልታት ዘየዳግም ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዓዲ ከምዘይውዕል‘ውን ኣቶ ሃይለማርያም ገሊፆም።

”ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ብዝግባእ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ዘለዎ ስለዝኾነ፣ንፅንፈኛነት ሓዊሱ ብዝኾነ ኣገባብ ፀረ ሕገ መንግስቲን ንረብሓ ሃገር ዝፃባእ፣ህውከትን ግብረ-ሸበራን ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ሓይልታት፣ብመሰረት ሕጊ ዝፈቅዶ፣ዘየዳግም ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ክቅፅለሉ‘ዩ” ይብሉ እቶም ቀ/ሚ።

ተቃወምቲ ኢትዮዽያ፣ኣብ ልዕሊ ሕቶ ዘበገሱ ኣመንቲ ምስልምና ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ወሲዱ ኢሎም ከምዝኮነኑ ይዝከር።እቲ ፀገም ንክፍታሕ ድማ፣ኩሉ ሓቆፍ ጉባኤ ንክካየድ ፀዊዖም ነይሮም።ኣብ‘ቲ ናይ ሎሚ ጉባኤ ተቃወምቲ ኣይተጋበዙን።ቀ/ሚ ሃይለማርያም ኣብ ዘረበኦም፣ነቶም ንፀረ-ሰላም ሓይልታት ይድግፉ‘ዮም ዝበልዎም ተቃወምቲ ኣጠንቂቆም‘ዮም፥

”ሃገር ናይ ምህዋኽን ምትርማስን መደቡ ዝገበረ ዕላማ ፅንፈኛታት፣ፖለቲካዊ መኽሰብ ክንረኽበሉ ኢና ኢሎም ስለዝሓሰቡ፣ነዚ ፀረ-ሰላም ምንቅስቃስ‘ዚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ምትብባዕን ኣብ ምድጋፍን ዝርከቡ ገለ-ገለ ተቃወምቲ ፓርቲታት ሃገርና፣ነዚ ግጉይን ዘተዓዛዝብን ኣካይደኦም ብቅልጡፍ ክእርሙ ይግባእ ኢለ ከዘኻኽር ይፈቱ።ቀንዲ ዕላማ መንግስቲ ምርግጋፅ ትግባረ ሕገ-መንግስቲ ስለዝኾነ፣ምስ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖት ዝውግነሉ ምኽንያት የለን” ኢሎም ንሶም።

እቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸፈተ ጉባኤ ማሕበር ሃይማኖታት ኢትዮዽያ፣ብምትሕብባር ትካላት ሃይማኖትን ፈዴራላዊ መንግስቲን ዝተዳለወ‘ዩ።ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እስልምና ኢትዮዽያ ሸኽ ኪያር መሓመድ ኣማን ብወገኖም፣ኣብ ተፃራሪ ኣተሓሳስባ ኣለው ንዝበልዎም መልእኽቲ ኣሕሊፎም፣

”ሰላም ምዕባለን ብዙሕነትን ሃገርና ዘይቅበሉ ወይካኣ ዝፃረሩ ኣለው እንተኾይኖም፣ናብ ኣምላኽ ወይ ረቢ ዝፈትዎ ኣንፈት ንክምለሱ መንፈሳዊ ፃውዒት ነቅርበሎም ኣለና።ሃገርና ናይ ኩላትና ስለዝኾነት፣ክንሕልዋን ክንሰርሓላን ይግባእ” ኢሎም ሸኽ ኪያር።

ፓትርያርክ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብወገኖም፣ኣብ ኢትዮዽያ ናፅነት ሃይማኖት ተረጋጊፁ‘ዩ ኢሎም፥

“ንህልዊ ኩነታት ብሓፈሽኡ ክንሪኢ ከለና፣ዝኾነ ሰብ መሰል እምነቱ ተኸቢሩሉ፣ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮዽያ እናተማለአሉ ይርከብ።ሎሚ ኣብ ኢትዮዽያ ይንቀሳቀሱ ዘለው ዝተፈላለዩ እምነታት፣ኣብ ትሕቲ ፅላል ትካል ሃይማኖታት ኢትዮዽያ ተሓቊፈን ይሰርሓ ዘለዋ ካብ‘ዚ ብምብጋስ‘ዩ” ይብሉ ኣቡነ ማትያስ።

ኣብ‘ቲ ጉባኤ ብርክት ዝበሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ተካይዱሎም‘ዩ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG