ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፃነት ሙስሊም ኢትዮጵያዊያን ይግደብ ኣሎ ይብል ሓደ ትካል


ናይ ዩናትድ ስቴትስ ኮሚሽን ዓለምለኸ ነፃነት ሃይማኖት ነፃነት እምነት ሙስሊም ኢትዮጵያዊያን እናተገደበ ምምፅኡ ኣተሓሳሲቡኒ ክብል ገሊፁ።
እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ ሓምለ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሙሉእ ሰዓብቲ ማሕበረሰብ ምስልምና እታ ሃገር ጨንፈር እምነት ምስልምና ንምቕያር ይፅዕር ኣሎ፡ነቲ ስጉምቲ ንዝቃወሙ መራሕትን ምሁራንን ሃይማኖት ይቐፅዕ እዩ ክብል ትማሊ ኣብዘውፅኦ መገልፂ ገሊፁ’ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 18 ጥቅምቲ ን29 ተቓወምቲ እታ ሃገር ናብ ሙስሊማዊት ሃገር ንምቕያር ፈቲኖም ብዝብል ብሽብር ኸሲሱዎም ኣሎ።
ናይቲ ትካል ኮምሽነር ዓዚዛ ኣል-ሂብሪ እቶም ተኸሲሶም ዘለው ኣካል ኣሽሓት ንፖሊሲ ምንግስቲ ዝቃወሙ ሰላማዊ ሰባት እዮም ይብላ።
ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ሰዓብቲ ጨንፈር ምስልምና ሱፊ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት ኣል-ኣሕባሽ ንኽኣምኑ እናገደደ፤ኩልሻዕ ብነፃነት ዝሰርሕ ዝነበረ ምርጫ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ንናይ ባዕሉ ዕላማ ኣውዒሉዎ ክብል እቲ ትካል ይኸስስ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ናይ ሃይማኖት ነፃነት ዘረጋግፅ ናይ ባዕሎም ሕገ መንግስቲ ንከኽብሩ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ልዕሊ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ከሕድሩ ሓቲቱ’ሎ።
ወሃቢት ቃል ምንስቴር ወፃኢ ቪክቶሪያ ኑላንድ ትማሊ ብዛዕባ መግልፂ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮሚሽን ዓለምለኸ ነፃነት ሃይማኖት ተሓቲተን እንትምልሳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብግልፂ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ክትዘራረበሉ ከምዝፀንሐትን ኢትዮጵያ በቲ ሓድሽ ኣመራርሓ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሕዝኣ ናብ ዓለምለኸ ደረጃ ክተምሓይሽ እያ ዝብል እምነት ከምዘለወንን ገሊፀን ኣለዋ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብናይ ምስልምና እምነቶም ከይኮነስ ሽብር ንምፍጣር ብምፍታኖም ዮም ተኸሲሶም ይብል።
XS
SM
MD
LG