ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ፣ ኣንዷለም ኣራጌ፣ ኣሕመድ እንጀበልን ካልኦት እሱራትን ተፈቲሖም


እስክንድር ነጋ፣ አንዷለም አራጌ፣ አሕመድ ሙስጠፋ፣ አሕመዲን ጀበልን ካልኦት እሱራት ካብ ማእሰርቲ ኣብ ዝወጽሉ
እስክንድር ነጋ፣ አንዷለም አራጌ፣ አሕመድ ሙስጠፋ፣ አሕመዲን ጀበልን ካልኦት እሱራት ካብ ማእሰርቲ ኣብ ዝወጽሉ

ነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ፣ ኣንዷለም ኣራጌ፣ ኣሕመድ እንጀበልን ካልኦት እሱራትን ሎሚ ኣጋ-ምሸት ተፈቲሖም። ኩሎም ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ንክቕጽል ሓቲቶም፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቃሊሱ’ዩ ኣፍቲሑና’ውን ኢሎም።

ብካልእ ወገን ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝመርሕዎ ኦፌኮ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ንክላዘብ ተሰማሚዑ። ሎሚ ዝተፈትሐ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ብወገኑ ‘ብሄር ተኮርን ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታትን ይፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ብቅጽበት ደው ንክብልን መንግስቲ ምስ ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ተቃወምቱ ንክላዘብን’ ጸዊዑ።

ንናይ ጋዜጠኛታት ደሕንነት ዝሕለቕ ትካል CPJ፣ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ምፍትሑ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ።እቲ ትካል ‘ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጋዜጠኛታት ዝቐረበ ክሲ ተቛሪጹ ንክፍትሑን መሰል ምዝራብ ንክኽበር ዘኽእል ሱር ነቀል ለውጢ ንክትሰርሕን’ ጸዊዑ።

ድሕሪ ናይ 18 መዓልታት ኣኼባ ኢህወዴግ መግለጺ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ብቤት ፍርዲ ዝተበየኖምን ኣብ ክሲ ዘለው፣ ስለ ሃገራዊ ምርድዳእ ተባሂሉ ክፍትሑ’ዮም’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

ብኻልእ ዜና ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ተበጊሰን ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጉዓዛ ዝነበራን ብሰንኪ ኣብ ኦሮሚያ ይካየድ ዘሎ ኣድማ ኣብ ደብረብርሃን ደው ዝበላን ኣስታት 60 ኣውቶቡሳት ናብ ዘዝመፃሉ ከምዝተመለሳ ናይቲ ከባቢ ኣባል ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድብ መኢኣድ ኣቶ በላይሁን ዘመድኩን ገሊፆም።መብዛሕቲአን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ወሎን ሸዋን ዝመፃ ከምዝነበራ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG