ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብህውከት ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ንመደብ ተሃድሶ ድሕሪ ምክትታሎም ተፈቲሖም።
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ’ቲ 4 ሽሕ እሱራት ዝተፈትሑሉ ስፍራ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ‘ፍጹም ዘይድገም’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሕኩም ኣለኹም። ከምዝመስለኒ፣ ናብ’ዚ መደመደምታ’ዚ ዝበጻሕኩም፣ ሕገ መንግስቲና ብደምን ብብዙሕ መስዋእትነትን ዝተጻሕፈ ሕገ መንግስቲ ስለዝኾነ’ዩ። ናይ ብሄርን ብሄረሰባት፣ ሓባራዊን ውልቃዊን መሰል ዘኽብር ስለዝኾነ’ዩ’ ኢሎም።
'ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፣ ምስ መንግስታዊ ባዓል ስልጣን ከይትረዳድኡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ሕቶኹም ግና ብስልጡንን ሕጋዊን ኣገባብ ምቅራብ መሰልኩም’ዩ። ዝተከልከለ፣ ሕቶ ብዓመጽ፣ ህውከትን ሓይሊን ንምቅራብ ምፍታን'ዩ፣ ዋጋ ከምዘኽፍል ክፍለጥ ኣለዎ' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም።
ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝነበረ እዋን ግና ጌጋ ፈጸምቲ መንግስቲን እቶም ተኣሲሮም ዝተፈትሑን ምዃኖም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ጠቂሶም።
‘ጌጋኹም ባዕልኹም ገሊጽኩሞ ኣለኹም። ኣነ ድማ ንናይ መንግስቲ ጌጋ ክዛረብ። መንግስቲ ዝፈጸሞ ጌጋ፣ በቢ ደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ፣ ከዘራርበኩምን ሪኢቶኹምን ክሰምዕን ኣይካኣለን። ስለዚ ንስኻትኩም ከምዝበልክምዎ፣ መንግስቲ’ውን ብዕምቆት ክሕደስ ኣለዎ፣ ንዴሞክራሲ ከስፍሕ ኣለዎ፣ ብፍላይ ንመናእሰይ ኣቅሪብና ክነዘራርቦም ይግባእ ኢልና ኣለና’ በሉ ንሶም።
ብዘይካ’ቶም ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈትሑ 4 ሽሕ እሱራት፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ተኣሲሮም ኣብ ብር-ሸለቆ ስልጠና ዝተቀበሉ ኣስታት 800 እሱራት ከምዝተፈትሑ መንግስታዊ ሚድያታት ጸብጺበን።