ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣብዘሎ ግጭት ዓለምለኸ ጣልቃ ምእታው ኣይፍቀድን ኢላ


ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ግጭት ዓለምለኸ ጣልቃ ምእታው ኣይፍቀድን ኢላ።ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህወሓት/ ብወገኑ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ኢዱ ክህብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠሉ ናይ ግዜ ገደም ነፂጉዎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሃገሮም ልኡላውነትን ‘’ኣብ ግዝኣቶም ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ’’ ኣፅንኦት ብምሃብ ኣብ ክልል ትግራይ ንሰሙናት ኣብ ዝቐጸለ ግጭት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ከይኣትው ሓቲቶም።

‘’ካብ ሰናይ ድልየት ንዝብገስ ስኽፍትኦም ዝድንቐ እንተኾነ እውን’’ መንግስቶም ባዕሉ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ናይ መሓዙትና ስኽፍታታትን ምኽርን ኣብ ግምት እነእትዎ'ኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ንዝኾነ ይኹን ጣልቃ ምእታው ንነፅጎ’’ኢሎም ። ንሶም ኣስዒቦም ‘’ስለዝኾነ ድማ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ካብ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይሕጋውን ተግባራት ጣልቃ ምእታው ክዕቀቡን ምእትእትታው ንዝኽልክል ዓለምለኸ ሕጊ ከኽብሩን ብኽብሪ ንፅውዕ’’ ኢሎም።

ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ መግለፂ ወፂኡ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ኢዱ ክህብ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ገደብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝዛዘመሉ እዩ።መራሕቲ ህወሓት ግን ነቲ ናይ ግዜ ደረት ውዱቕ ገይሮምዎ ኣለው።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባእቲ ኣብ መንጎኢትዮጵያን ትግራይን ንሰለስተ ሰሙናት ዝፀንሐ ግጭት ትማሊ ሰሉስ ክዘራረበሉ መደብ ተታሒዙ እነተነበረ እውን እቲ ምይይጥ ተናዊሑ እዩ።

ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ጆሰፕ ቦረል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ብራስለስ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ድሕሪ ምዝርራቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ እቲ ግጭት ‘’ድሮ ኣብቲ ዞባ ብዝለዓለ ኩነታት ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ኣሎ’’ ኢሎም።

‘’ዓሌት መሰረት ዝገበረ ህወክት፣ብዙሕ ሞትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕግን ይውስኽ’’ ከምዘሎ ስኽፍታቶም ገሊፆም ኣለው።ሕብረታ አውሮጳ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ረድኤት ንምእታው ውግእ ጠጠው ክብልን ምእታው ክፍቀድን ፀዊዑ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክሞቱን 40,000 ስደተኛታት ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙን ገይሩ ኣሎ።

ናይ ስልክን ኢንተርኔትን ሓዊሱ ዝኾነ ይኹን ርክብ ስለዘየለ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ዝተገበረ ውግእ ሓበሬታ ንምፅራይ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 'ሳምሪ' ዝተባህለ ጉጅለ መናእሰይ እንተወሓደ ን600 ስቪላት ኣምሓራን ወለቃይትን ቀቲሎም ክብል ትማሊ ከሲሱ ኣሎ።

እቲ ክሲ 9 ሕዳር 2020 ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ተፈፂሙ ዝተባህለን ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዘውፅኦ ሪፖርትን ኣፃሪየ ኢሉ ዘውፅኦ ይመስል።

ህወሓት ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ሪፖርት ርእይቶ ኣይሃበን።ቅድም ክብል ግን ኢዱ ከምዘይብሉ ብምንፃግ ብነፃ ኣካል ክምርመር ፀዊዑ ነይሩ።

ሓይልታት ክልል ትግራይ ተወንጨፍቲ ብምትኳሶም እቲ ውግእ ናብ ኤርትራ እውን ዘሊቑ እዩ።ኢትዮጵያ ኣንፃር ምስ ኣል ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ዕጡቓት ይዋግኡ ንዝነበሩ ብዙሓት ተጋሩ ኣባላት ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዕጥቖም ስለዘፍትሐቶም እቲ ግጭት ንሶማል'ውን ተንኪፉዋ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዶባ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነታ ዓለምለኸ ሕጊ ብዘኽብር ኣገባብ ከም እትፍፅም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG