ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ንዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያ 20 ቢሊዮን ዶላር የድሊ”ሚ/ገንዘብ ኢትዮጵያ


“ንዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያ 20 ቢሊዮን ዶላር የድሊ”ሚ/ገንዘብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

“ንዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያ 20 ቢሊዮን ዶላር የድሊ”ሚ/ገንዘብ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ልዕሊ 22 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዘጋጠመ ሓደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ዝቐረበ መፅናዕቲ ካብ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝን ብዝተረኸበ ደገፍ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፀነዐ ኾይኑ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዕንወት ዝዳህሰሰ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር መደብ ዳግመ ህንፀትን ዳግመ ምጥያስን ኢትዮጵያ'ውን ወግዓዊ ተገይሩ ኣሎ።

ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ፣ ነቲ ትልሚ ንምዕዋት ልዕሊ 20 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከምዝደሊ ድማ ገሊፆም። እቲ መደብ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ደቡብን ከምዝትግበር እውን ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተሳተፉ መራሕቲ ክልላት ብዛዕባ እቲ መደብ ርእይቶ ሂቦም ኣለው። ፕረዝደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፣ በቲ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወትን መጉዳእትን ካብ ካልኦት ክልላት ዝተፈለየ ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ቅድሚ ዳግመ ህንፀት፣ ንዳግመ ምጥያስ፣ ንምምላስ ተመዛበልቲ፣ ንምምላስ ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን፣ ንምጅማር ሕርሻ፣ ንምጥያስን ሕውየትን ተጋደልትን ጉዱኣት ኣካልን ቀዳምነት ክወሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ንተጋደልቲ ብግቡእ ምጥያስ እንተዘይተኻኢሉ፣ እቲ ሰላም ዘላቕነት ከምዘይህልዎ እውን ተዛሪቦም። ዓለምለኸ ወሃብቲ ሓገዝ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ንዳግመ ምጥያስ ዝኸኣሉዎ ሓገዝ ይግበሩልና ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው፣ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ክንዛረበሉ ኢና ኢሎም።

ፕረዝደንት ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍያለ ብወገኖም፣ በቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ዝበፅሐ ዕንወት ብሳይንሳዊ መንገዲ ከምዝተፀንዐን፣ ውፅኢቱ እውን ከምዝተዘርገሐን ተዛሪቦም። እቲ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ድማ ብዙሕ ዕንወት ኣጋጢሙ'ዩ ድሕሪ ምባል፣ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዳግመ ምጥያስን፣ ዳግመ ህንፀትን ዝኸኣልናዮ ንገብር ኣለና፣ እንተኾነ ግን ነቲ ክልል ንምሕዋይ ናይ ኩሉ ሓባራዊ ፃዕሪ ኣድላዪ እዩ ኢሎም።

ፕረዝደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ እውን ብዛዕባ እቲ መደብ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ከባቢታት እቲ ክልል ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዘቑፀረ ጎንፂ ከምዘሎ ገሊፆም። እቲ ጎንፂ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ትሕተ ቅርፂ ዓብዪ ዕንወት ከምዘስዓበ እውን ኣመልኪቶም። ነዚ መሊስካ ንምህናፅ፣ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ደባይ ተዋጋእቲ ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ምቕፃል ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG