ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ርክባት ፍፀምቲ ኣካልት ትግራይን ፌደራል መንግስትን ብሕጊ ጥራይ ይፍታሕ ' ቀ\ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኣብ መንጎ ናይ ትግራይ ቤት ምኽሪ ዝለዓለ ፈፀምቲ ኣካላትን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ኣፀጋሚ ርክብ ሕጊ መሰረት ብዝገበረ ኣሰራርሓ ጥራሕ ከምዝፍታሕ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ንልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ዝተማልአ ድልዉነት ከምዘሎ እውን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣረጋጊፆም።ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6.1 ሚእታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘመዝገበት እውን ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም ኣለው።ኣብ መንጎ ፈፀምቲ ኣካላት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ርክብ ምሕርፋፍ ናብ ሓደጋ ፀጥታ ከይሰጋገር ይስራሕ ብዛዕባ ዘሎ ተሓቲቶም ህዝቢ ትግራይ ከም ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ልምዓትን ዴሞክራስን ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ ኣብ ዝለዓለ ፀገም ድኽነት ዝርከብ ህዝቢ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ፌደራል ነዚ ኣብ ግምት ዘእትወ ስራሕ ክሳብ ሎሚ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ዘሎ ህዝቢ ኣለኒ ብዝብል እዩ ምስ በሉ።

‘’ዘየድልዩ 10፣15፣20 ውልቀሰባት ኣለው ከይኮነስ ብሚሊየን ዝቑፀር ብዓል መሰል እንቃለሰሉ ኣድላይ ዜጋ ኣለና ኢልና ኢና ንሰርሕ ዘለና’’ኢሎም።ንቕድሚት እውንከምዚ ክቕፅል እዩ ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብኡ ምስ ዘሎሓይሊ ግን ብሕግን ሕግን ጥራሕ ዝምለስ ይኸውን።ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን ቤት ምኽሪ ወከልትን ዝውስኖ ውሳነ ፈፃሚ ኣካል ከፈፅም እዩ።ኩሉ ነገር መልክዕ እናሓዘ መፍትሒ እናረኸብ ክኸይድ ተስፋ ይግበር’’ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ።

ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ናይ ሰላምን ድሕነት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ድሕሪ እቲ ለውጥ ናይ ሰላም ድሕነትን ኣኽበርቲ ኣካላት ዳግም ንምውዳብ ዝተወስዱ ስጉምትታት ብምዝርዛር ሎሚ ሓይልታት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ንልኡላውመት እታ ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ዝከላኸል ቁመና ፈጢሮም ኣለው ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ ቤንሻጉል ጉሙዝ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ዘጥፍአን ብዛዕባ ተደጋገምቲ መጥቓዕትታትን ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብምግላፅ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ምስ ሰሜን ድቡብን ሱዳን ስለዘዋስን ካብ ብሉናይል እናኣተው ምስቲ ጉዳይ ርክብ ናይ ዘይብሎም ዜጋታት ህይወት ኣብ ሓደ ኣውዲቖም ኣለው እዚ ብዙሓት ተዋሳእቲ ዝሓዘ እንተኾነ እውን ዝለዓለ ብፅሒት ምስ ህዳሴ ዝተሓሓዝ እዩ መንግዲ ህዳሴ ምስ ምብታኽን ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም።

ምስ ለበዳ ኮቪድ ተኣሳሰሩ ዝድለ ሃገራዊ ሸቶ ቁጠባ እንተዘይተመዝገበ እውን ከም መንግስቲ እናተኸላኸልና ኣብ ዓለም ኣብ ሒደት ሃገራት ዝተምዝገበ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሪኢና ኢሎም።

ኣብ ዓለም ኣዚየን ሒደት ሃገራት ዘመዝገብኦ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጥራሕ ዝተርኣየ ኣወንታዊ ዕብየት እቲ ዝለዓለ ዝብሃል 6.1 ሚታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ክተመዝግብ ክኢላ እያ ኢሎም።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት መንግስቶም ፈፂሙዎ ዝበሉዎ ስራሕቲ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ናይ ምክልኻል ስራሕ እንተድኣ ተዓዊቱን እቲ ጉድኣት ኣብዘለዎ እንተድኣ ተዓጊቱን ኣብ ምህርቲ ዘምፅኦ ጉድለት ትሕቲ ሓሙሽተ ምእታዊ ከምዝኸውን ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብዚ ዓመት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝኸፈታ እውን ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG