ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምኽንያት ውሕጅ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ካብቲ ዝነበርዎ ናብ ካሊእ ይግዕዙ ኣለው


ስደተኞች ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ
ስደተኞች ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣስታት 15 ሽሕ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ብምኽንያ ውሕጅ ካብቲ ዝነበርሉ ናብ ካሊእ መዕቖቢ ማእኸል የግዕዞም ከምዘሎ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት UNHCR ኣፍሊጡ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ኤርትራዊያን ስደተኛታት እውን ብዘይተለምደ መልክዑ እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።

እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ጄኔቭ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ማታር ኣብዝተብሃለ መዕቖቢ ጣቢያ ዝነበሩ ኣስታት 15 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ካብ ትማሊ 9 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ፍኚዶ ናብዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት ምጉዕዓዝ ጀሚሩ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል UNHCR ኣቶ ክሱት ገብረእግዝኣብሄር ካብ ዝርከብሉ ካብ ክልል ትግራይ መዕቖቢ ስድተኛታት ሽመልባ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ ቃል እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝፀንሕሉ ግዚያዊ መዕቖቢ ዝናብ ስለዝወቕዐ ከዕቑቡሉ እዮም ተባሂሉ ዝነበረ ጣቢያ ምሉእ ብምሉእ ብውሕጅ ስለዘዕለቕለቐ ማታር ኣብዝብሃል ቦታ ብግዚያዊ ኣዕቊቦም ክፀንሑ እዮም ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቶም ስደተኛታት ቦታ ከምዘዳለወሎም ብምሕባር እቶም ስደተኛታት ሕዚ ካብዝርከብሉ ናብ ፍኙዶ ብምድርን ማይን ይጉዓዓዙ ኣለው።ኣስታት 300 ኪሎ ሜትር ስለዝርሕቕ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ከምዝኸውን እውን ኣቶ ክሱት ሓቢሮም።

ብኻሊእ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ምስዳድ ዝርከቡ ኤርትራዊያን እውን ብዘይተለምደ መልክዑ በዝሖም እናወሰኽ ይኸይድ ከምዘሎ ኣቶ ክሱት ገሊፆም።’’ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣዚዩ ወሲኹ’ሎ’’ ምስ በሉ ‘’ቅድሚኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብማእኸላይ 2,000 ዝነበረ ኣብ ጥቅምቲ ልዕሊ 5,000 በፂሑ’ሎ።ኣብ ሕዳር እውን ብከምኡ እናቐፀለ እዩ ዝርከብ ዘሎ።እቲ በዝሒ ትፅቢት ካብዝተገበረሉ ንላዕሊ ኣዚዩ ወሲኹ’ሎ’’ኢሎም።ዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:06 0:00

XS
SM
MD
LG