ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 9-ሽሕ ስደተኛታት ዲጂታል መለለይ መንነት ምርካቦም ተገሊፁ


ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዕሊ 9-ሽሕ ስደተኛታት "ፋይዳ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዲጂታል መለለይ መንነት ከም ዝተወሃቦም ናይ ሕቡራትሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ዲጂታል መፍለይ መንነት ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ቁጠባውን ከምኡ እውን ኣገልግሎት ደሕንነት ክረኽቡ ዘኽእሎም ምዃኑ እቲ ትካል ገሊፁ።

ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተሓባባሪት ዋና ኮሚሽነር ራኬብ መሰለ ተመዝጊቦም ኣፍልጦ ናይ ዘይምርካብ ብፍላይ ድማ ናይ ከተማ ስደተኛታት ንማእሰርቲን ካልኦት ፀገማትን ኣቃሊዑ ኣሎ ክትብል ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ ምሕባራ ይዝከር።

ኣብቲ መስርሕ ምድንጓይ ከም ዝነበረ ዝገለፀ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ዕቑባ ስደተኛታትን ተመለስትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳባ ለሜሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቲ ኣገልግሎት ዝህቡ ሰብ-ሞያ ሰልጢኖም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክዋፈሩ ከም ዝተገበረ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG