ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስደተኛታት ዓለም እቶም 18 ሚእታዊ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ተባሂሉ


ተወካሊ ስደተኛታት ክልቲአን ሱዳናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዘዘንበለ እዩ ይብሉ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ካብ ዝተሰደዱ ዜጋታት እቶም 18 ሚእታዊ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ምምሕዳር ስደተኛታትን ተመለስቲ ስዱዳትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።መንግስቲ ንኹሎም ስደተኛታት ብማዕረ እናተኣናገደ ኣድላዪ ሓገዝ ይህብ ኣሎ እንተበለ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወካሊ ስደተኛታት ክልቲአን ሱዳናት ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዘዘንበለ እዩ ኢሎም።

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ስደተኛታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ንባህሎም ኣብ ዘንፀባረቕሉ ናይ ኣዲስ ኣበባ በዓል ስደተኛታት ዓለም ዝተፈላለዩ ኣካላት ተረኺቦም ነይሮም።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ናይ ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደተኛታትን ምምሕዳር ምኽትል ዳይረክተር ኣቶ ኣያሌው ኣወቀ ኢትዮጵያ ኣብ 18 ማእኸላት መዕቖቢ ስደተኛታት ናብ 350 ሽሕ ንዝፅግዑ ስደተኛታት እናተኣናገደት ምዃና ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ኣብ 2011 ኣ/ፈ ኣብ ዓለም ዝተመዝገበ ቁፅሪ ስደተኛታት 800 ሽሕ ነይሩ ዝበሉ ንሶም ልዕሊ 140 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’እዚ ማለት ድማ ኢትዮጵያ 18 ሚእታዊ ተቐቢላ’ላ ማለት እዩ።እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዙሕ እዩ።’’

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፁ ስደተኛታት ኩሎም ብማዕረ ከምዘይርአዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወኪል ክልቲአን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ዝኾኑ ኣብዱል ባሪ ኣባክራቢ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ሓቢሮም።

ንኣብነት ኢሎም እቶም ተወካሊ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምኻድ ዝበለፀ ዕድል ዝረኽቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምዃኖም ብፍላይ ዕድል ትምህርቲ ዝምልከት ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዘዘንበለን እዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣያሌው ኣወቀ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ስደተርኛታት ብማዕረ ከምዝሪኦምን ነገር ግን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብሎም መብዛሒቶም መናእሰይ፡ካብ ከተማ ዝመፁ፡ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ገሊኦም ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝበፅሑ ዝርከቡዎም ምዃኖም ምርዳእ ኣድላዪ እዩ ኢሎም።ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስፋር ብዝምልከት ወሳኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኮነስ እቲ ዕቑባ ዝህብ ሃገር እዩ እውን ኢሎም ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG