ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ናብ ኢትዮጵያ ዝአትዉ ሶማልያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ቁፅሮም ይንህር'ሎ" ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት-ፅሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሸን ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ብፅሑፍ ዝዘርገሖ መግለፂ ክሳብ መወዳእታ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ 115,550 ሶማልያውያን ስደተኛታት ይተአናገዱ ኔርም፣ መብዛሕትኦም ኣብ 2007 ዓ.ም ኹናት ምስ ተሓደሰ ሃዲሞም ዝአተው'ዮም ኢሉ'ሎ።

ካብ ሶማል ናብ ኢትዮጵያ ዝአትው ስደተኛታት ኣብ 2011 ዓ.ም 10-ሽሕ 'ዮ ዝኾኑ ዝብል ግምት እንተነበረ'ካ ኣብ መጀመርታ'ተን 5-ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 30-ሽሕ ኣትዮም ክብሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኮሚኒከስን አቶ ክሱት ገብረእግዚኣብሔር ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆምሉ።

ካብ ኤርትራ'ውን ብብዙሕ ስደተኛታት ይመፁ'ለው ዝበሉ አቶ ክሱት ንአብነት ኣብ ወርሒ 300 ዝኾኑ ዝመፁ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን'ዚ ንወርሒ ካብ 800 ክሳብ ሓደ ሽሕ ይመፁ'ለዉ ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG