ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፡ ሃገራዊ ምርኢት ኣስራሕቲን ደለይቲ ስራሕን ን6 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ይፈጥር


ሚኒስትር ድኤታ ስራሕን ክእለትን ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን
ሚኒስትር ድኤታ ስራሕን ክእለትን ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ምርኢት ስራሕ፣ ን 6-ሽሕ ሓደሽቲ ተመረቕቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥር ኣተሓባበርቲ እቲ ምርኢት ገሊፆም። ኣቶ የሱስ ረጃ ፈጻሚ ስራሕ ሓደ ካብቶም ኣተሓባበርቲ ዝኾነ ኣፍሪካ ጆብስ ኔትዎርክ ፡ እቲ ትማሊ ዝተኸፈተ ምርኢት ንልዕሊ 20- ሽሕ ሓደሽቲ ተመረቕትን ን200 ትካላትን ከም ዘራኽብ ገሊጹ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኢት ዝተረኸቡ፣ ሚኒስትር ድኤታ ስራሕን ክእለትን ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብወገኖም፣ ስእነት ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ሃገራዊ ፀገም ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ 2-ሚሊዮን ሓደሽቲ ደለይቲ ስራሕ ከምዘሕልው ዝሓበሩ ኣቶ ንጉሱ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚኦም ሓዊሱ ኣብ ዓመት ንሰለስተ ሚልዮን ሰባት ስራሕ ንምፍጣር ይሰርሕ ምህላው ተዛሪቦም።

ካብ መንጎ እቶም ኣብቲ ምርኢት ስራሕ ዝተሳተፉ 200 ትካላት ሓደ ዝኾነ ዳሽን ባንክ፣ ነቲ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት 3- ሽሕ ሓደሽቲ ምሩቓት ከም ዝቖፅር ገሊፁ።

ከምዚ ዓይነት ምርኢት ስራሕ፣ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ተዳልዩ ከምዝነበረ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG