ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ-ሓቆፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝምስርት ጉባኤ ንምክያድ ድጋፍ ርእሰ-ብሄር ከምዝረኸበ ተቓወምቲ ይገልጹ


ፋይል -ፕረ.ኢትዮጵያ ሙላቱ ተሾመ

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ኹሉ ሓቆፍ ሃገራዊ ምርድዳእን ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ዝተባህለ ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከካይዶ ንዝመደቦ ጉባኤ፡ ናይ ርእሰ-ብሄር ሙላቱ ተሾመ ድጋፍ ከምዝረኸበን፡ ካብ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምርካብ ይጽዕር ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

እቲ ጉባኤ ካብ ሰለማዊ ቃልሲ ካልእ ኣማራጺ ክንጥቀም ኢና ንዝብሉ ሓይልታት ከይተረፈ ከምዘሳትፍ`ውን እታ ኮሚቴ ትገልጽ። እታ ናይ ምርድዳእን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስትን ኮሚቴ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ከተማ ሲያትል ቅድሚ ኣዋርሕ ከምዝተመስረተት ድሕሪ ምግላጽ፡ኣብ`ቲ ጉባኤ ከም ግንቦት-7 ዝበሉ ብካልእ ኣማራጺ ዝቃለሱ ኣካላት ከምዝተሳተፉ መራሕቲ`ቲ ኮሚቴ ገሊጾም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG