ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንመብዛሕተኦም ካብ ኤርትራ ዝሰገሩ ዝበለቶም ዕጡቃት ምቅታላ ገሊፃ


ኣብ ኤርትራ ተዓሊሞም ብወደብ ሶማሊላንድ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ዝፈተኑ ኣስታት 340 ዕጡቃት ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ውሽጢ ግዝኣታት ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ፍሉይ ሽሙ ዩኒ-ሰዴረን ሃራሪን ኣብ ዝተባሃለ ስፍራ መብዛሕተኦም ከምዝተደምሰሱን ሒደት ተኸቢቦም ኣለውን ይብሉ ኣቶ ሽመልስ ከማል።

ኣብ ኦብነግ ሓላፊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ ሓሰን ዓብዱላሂ ብወገኖም፡መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ'ዩ።ካብ ኤርትራ ዝተበገሰ ሓይሊ የለን።እቲ ዞባ - ዞባ ኺናትዩ ኮይኑ ዘሎ ኣብ'ዚ እዋን'ኻ 50 ወትሃደራት መንግስቲ ቀቲልና'ለና ኢሎም።

Recommended

XS
SM
MD
LG