ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘፃሪ ጉጅለ ናብ ክልል ኣምሓራ ክልእኽ እየ ኢሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ከምሴ ኣብ ባቲን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝወረደ መጥቓዕቲ ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝልኽ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ እውን ነቲ መጥቓዕቲ ዝኹንን መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ።ብተመሳሳሊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ ጉዳይ ዘፃርን ዘረጋግእን ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ልኢኸ ኣለኹ ኢሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ከምሴ ብፍላይ ድማ ኣብ ባቲ፣ከምሴ፣ሮቢትን ካልኦት ከተማታትን ዝሓለፈ ቀዳም 16 ሰነ 2010 ዓ/ም ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ተፈፂሙ’ሎ።ጉድኣት ዝወረዶም፣ንብረቶም ዝተዘረፎም ዝዓነዎምን ከምኡ እውን ዝተመዛበሉ ኣለው።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ከምዝፈልጡ ብምግላፅ መንግስቶም ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎ ኢሎም።

በዝሒ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ በቢከባቢኡ ምዝገባ እናተኻየደ ብምዃኑ ተፃሪዩ ምስተወድአ ንህዝቢ ብወግዒ ክግለፅ እዩ ኢሎም ኣቶ ረዳኢ።

ተቓዋሚ ውድብ ዓረና እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባቲ፣ከምሴን ካልኦትን ከተማታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ብሄር መሰረት ዝገበረ ብሰንኪ ዝበሎ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት መነወሪ ተግባር ካብ ምዃን ሓሊፉ መንቀሊ ዝኸፍአ ጥፍኣት እውን ዝኸውን ከቢድ ገበን እዩ ክብል ሎማዕንቲ መግለፂ ኣውፂኡ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንግስቶም ነዚ ዘፃርን ዘረጋግእን ሓደ ጉጅለ ናብ ከባቢ ባቲ ምልኣኹ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘፃሪ ጉጅለ ናብ ክልል ኣምሓራ ክልእኽ እየ ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:40 0:00

XS
SM
MD
LG