ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ስለዘፈራርሐ ዘሰክፍ የብልናን ኢሎም ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ኢትዮጵያ


Getachew Reda
Getachew Reda
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምኽትል ምንስቴር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ናይ ናይል ኣጠቓቕማ ዝሃብዎ ሪኢቶ ሳይንስ፣ፖለቲካ ይኹን ኢኮኖሚ ዘይድግፎ እዩ ክብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ምንስቴር ደኤታ ፕሬስን ህዝባዊ ርክባትን ገሊፆም።

ዝምድና ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዘተኣማምን ናይ ዲፕሎማስን ናይ ኢንቨስትመንትን ርክብ ኣሎ ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው እቲ ሪኢቶ ተዋሂቡ እንተኾይኑ’ውን ዝበላሸወሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።

እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ከም ሃገርን ህዝብን ኣበይ ኣለና ዝብል ስለዝኾነ መንግስቶም ኣብተን ዝገብረን ምንቅስቓሳት ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ወይ ሰብ ተፃብኦታት ስለዝፈተነ ዘሰክፍ የብልናን ኢሎም ብምቕፃል ኣቶ ጌታቸው።
XS
SM
MD
LG