ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኣሶሳ መሬቶም ዝተተንከፎም ካሕሳ ክወሃቦም እዩ ክብል ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣፍሊጡ


ETHIOPIA
ETHIOPIA
ናይ ኣሶሳ ከተማ ፕላን ምምሕያሹ ስዒቡ መሬቶም ንዝተተንከፎም ሓረስቶት ካሕሳ ንኽውሃቦም መፅናዕቲ ንኽግበር መምርሒ ወሪዱ’ሎ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሽንጉል ጉሙዝ ኣቶ ኣሕመድ ናስር ኣፍሊጦም።ኣባላትን ደገፍትን ተቓዋሚ ፓርቲ ብምዃኖም መሬቶም ዝተምንጠሉ ግን የለውን ኢሎም።
መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲ /መኢኣድ/ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ 150 ኣባልቱን ኣባላቱ ዘይኮኑን ነበርቲ መሬቶም ተመንጢሎም ምብራሮምን ብዛዕባዚ’ውን ነቲ ክልል ብፅሑፍ ምጥርዑን ኣብዚ ሎም ቅነ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ወኪል ቪኦኤ ሎማዕንቲ ዓርቢ ብስልኪ ዘዘራረቦም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ኣሕመድ ናስር ግን ካብ መኢኣድ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ኣይበፅሐንን ኢሎም።መሬቶም ተመንጢሎም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ሓረስቶት እውን ጉዳዮም ምስ ፖለቲካ ፓርቲ ደጋፊነት ዝተተሓሐዘ ከምዘይኮነ ገሊፆም።
ዋና ከተማ እቲ ክልል ናይ ዝኾነት ኣሶሳ ፕላን ስለዝተመሓየሸ ምስዚ ብዝተኣሰሰረ ድማ ናብ ከተማ ዝተሓወሰ መሬት ኣሎ ከም መገልፂ ኣቶ ኣሕመድ።ምስ ምምሕይሻ ናይታ ከተማ ፕላን መሬቶም ኾነ ዝተኸልዎ ባህርዛፍ ዝተተንከፎም ሓረስቶት ካሕሳ ከምዝውሃቦም ተዛሪቦም ኣለው።
ነዚ ተገባራዊ ንምግባር እውን መፅናዕቲ ንኽግበር መመርሒ ምሃቦም ወሲኾም ሓቢሮም።ብፖለቲካዊ ምኽንያት መሬትና ተወሲዱና ዝብል መረረ ግን ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብዝተኻየደ ኣኼባ’ውን ከምዘይተልዓለ ሓቢሮም እቶም ርእሰ ምምሕዳር።
መኢኣድ ግን ብምኽንያት ፖለቲካዊ እምነት ተፅዕኖታት ከምዝፍፀሙ፣ኣባላቶም ካብ ስራሖም ከምዝባረሩን ንብረቶም ከምዝምንጠሉን ይገልፅ።
XS
SM
MD
LG