ኢትዮዽያን ኳታርን፣ነቲ ተቋሪፁ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ዳግም ንክሕደስ ተሰማሚዔን።
ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዳይረክተር ህዝባዊ ዴፕሎማሲን ርክባትን ኣቶ ጌታተው ካሳ ሎሚ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ቀዳማይ ምንስትር መለስ ዜናዊ ምስ ናይ ኳታር መዘነኦም ኣብ ለንደን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፣ ዲፕሎምስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንክሕደስ ተሰማሚዖም‘ዮም ኢሎም።
ኢትዮዽያ ምስ ኳታር ዝፀንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ዘቋረፀት፣ ቀጠር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትኽተሎ ፖሊሲ ንሰላምን ህድኣትን‘ቲ ዞባ ፀር‘ዩ ካብ ዝብል ተበጊሳ‘ያ እውን ኢሎም እቶም ባዓል ስልጣን።
ኢትዮዽያን ቀጠርን ኣምባሳደራት ንምልኣኽ ተቀሪበን ከምዘለዋ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።
ምስ ኣቶ ጌታቸው ንዘካየድናዮ ሓፂር ቃለ-ምልልስ የዳምጹ -